ትግራዋይ ኣትሌት ኣማን ጴጥሮስ ንብርክት ዝበለ ኣዋርሕ ደሃይ ስድራቤቱ ከምዘይረኸበ ገሊፁ።

ንሃገረ ጀርመን ዝጎዪ ኣትሌት ኣማን ጴጥሮስ ኣብታ ሃገር ብተደጋጋሚ ዓበይቲ ክብረ ወሰናት እናረኸበ ዝመፀ እንትኾን ኮይኑ ግና ብናይ ዓዱን ቤተሰቡን ደሃይ ዘይምርካቡ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከምዝርከብ ን ዶቼ ቨሌ DW ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕተት ተዛሪቡ።

ዶቼ ቨሌ ኣብ ዘስፈሮ ዉልቀ ታሪኽ ኣትሌት ኣማን ጴጥሮስ ነቲ ንጀርመን ወኪሉ እንትጎዪ ዘንፀባርቖም ዓወታት ዘሐጉሱ እኳ እንተኾኑ ኣብ ዓዱ ዘሎ ህዝቢ ግን መዓልታዊ ብድሮን እናተጨፍጨፈ ስለዝርከብ ኣብ ዉልቀ ሂወቱ ፅልዋ ከምዘሕደረሉ ነቲ ጣብያ ተዛሪቡ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝተብዓለ በዓል ልደት ( Christmas ) ምዕራባዉያን ከመይ ተብዕሎ ኣለኻ ተብሂሉ ንዝቐረበሉ ሕቶ እንትምልስ ; ምንም ይኹን ኣነ ብዝተወሰነ መልክዑ የብዕሎ ኣለኹ እየ ኣብ ትግራይ ዘለዋ ክልተ ኣሕዋተይን ወላዲተይን ግን ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝርከባ ኣይፈልጥን ክብል ተዛሪቡ።

ኣትሌት ኣማን እቲ ኩናት ካብ ዝጥንሰስ ኣትሒዙ ኣብ ሕድሕድ ዘካየደን ጉያታት ኣእዳዉ በምጥማር ንስርዓት ኢትዮጲያ እንትቃወም ይረአ።

ትግራዋይ ኣማን ጴጥሮስ እቲ ናይ ቅድሚ ሐዚ ኣብ ኢዱ ዝፀንሐ ናይ ሃገረ ጀርመን ማራቶን ብምምሕያሽ ሓዱሽ ክብረ ወሰን እንተመዝግብ ድምፂ ወላዲተይ ካብ ዘይሰምዕ ኣዋርሕ ኣቑፂረ ክብል ኣብ FB ገፁ ምሕባሩ ይዝከር።

ስድራይ ምግቢ ይህልዎም ዶ ; ማይ ይረኽቡ ዶ ኣይፈልጥን ኮይኑ ግና ብኒሕን በሓቦን ”ምእንታኺ ክጎዪ እየ ኣደይ ; ምእንተ እቶም ዝተረስዑን ድምፆም ዘይስማዕን ህዝበይ ክብል ክጎዪ እየ ክብል ገሊፁ ኔሩ እዩ።

ኣትሌት ኣማን ብትግራዋይነቱ ከምዝኾርዕን ኣንፃር ህዝቡን መንነቱን ጠጠዉ ንዝበሉ ሓይልታት ኣብ ዝኸዶ ብምቅዋምን ይቃለስ ከምዘሎን ህዝቢ ትግራይ ዓወቱ ብቕልፅሙ ከምዝረጋገፅን ይኣምን እየ ዝበለ ድማ ሓደ እዋን ምስ ኣኽሱማይት ሚድያ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት እዩ።