ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ሕገ-እግዚኣብሄርን ሕገ ደንቢ እታ ቤተክርስትያንን ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ምፅናት ዘርኢ ትግራይ ትመርሖ ከምዘላ ዝሓበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ሃይማኖታዊ ስርዓት ንምውሓስ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ከምዘጣይሹ ሓቢሮም።
ሃገረስብከት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ዝተጣየሸትሉ ዕላማ ብምግዳፍ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ኢዳ ኣእትያ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍፀም ዘሎ ምፅናት ዘርኢ ትልሚ ካብ ምውፃእ ክሳብ ምፍፃም ዝበፅሕ መሪሕነት ትህብ ምህላዋ ኣፍሊጡ።
ህዝቢ ትግራይ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተበየነ ክባን ዕፅዋን ክሳብ ዝሓልፎ ዝረኸባ ምህርቲ ቀውዒ ቆጢቡን ተደጋጊፉን ኩለመዳይ ምንቅስቓስ ዓርሰ-ውሕስንኡ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግበኦ ኣካያዲ ስራሕ ሃገረስብከት ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ሊቀ ኣዕላፍ ቆሞስ ኣባ እስጢፋኖስ ገ/ጊዮርጊስ ኣፍሊጦም።
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ምፅናት ዘርኢ መሪሕነት ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ብስሩዕ ከምዝተሳተፈ ዝሓበረ እቲ መግለፂ ነቲ ውሽጣዊን ደጋዊን ሓይልታት ኣሰሊፉ ንትግራይ ዝወረረ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ፋይናንሳዊ ሓገዝ ከምዝገበረ ጠቒሱ።
ሓላፊ ክፍሊ ልምዓት እቲ ሃገረስብከት ኣባ ገብረመድህን ገ/ጊዮርግስ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ብዝበፅሑ ግፍዕታት ኣብ ሓዘን እናሃለወ እቲ ቤተክርስትያናዊ ስርዓት ዝድንግጎ ንውፁዕ ምድጋፍን ምፅንዕናዕን ሓዲጎም “ህዝቢ ትግራይ ካብ ምድረ ገፅ ክጠፍእ ከምዘለዎ ጳጳሳትን መራሕቲ ሃይማኖት ኢና ዝብሉ ኣካላትን ምዝራቦም” ከምዝኹንንዎ ተዛሪቦም።
“ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ንፋሽስታዊ ወራሪ ኣብዪ ኣሕመድ 31 ሚልዮን ብር ብምሃብ ህዝቢ ትግራይ ብድሮንን ታንኪን ስለዘጨፍጨፈት ይቕሬታ ክትሓትት ከምዘለዋ” ሓቲቶም ምላሽ ከምዘይተውሃቦም ጠቒሶም።
ካብዚ ብተወሳኺ እውን “ሓደ ሓደ ከምኒ ኣባ መቃርዮስ፣ ኣባ ወልደሰንበትን ካልኦት ጳጳሳትን ሕገ ቤተክርስትያን ብምጥሓስ ፖለቲካዊ ዕላማ ብምሓዝ 700 መነኮሳት ካብ ገዳም ዋልድባ ምብራሮም” ከይኣክል እታ ቤተክርስትያን ስጉምቲ ከምዘይወሰደት ኣባ ገብረመድህን ኣብሪሆም።
ኣብ ትግራይ ዝርከባ ሸውዓቲአን ኣህጉረ ስብከት ዘውፀአኦ ገንዘብ ተቐቢሉ ከብቅዕ በጀት ከምዘይመደበለን ዝሓበረ እቲ መግለፂ እታ ቤተክርስትያን ኣንፃር ዝተጣየሸትሉ ዕላማ ትሰርሕ ብምህላዋን ካብ ኣህጉረ ስብከት ትግራይ ዝቐረበላ ሕቶታት ብዘይምምላሳን ሓቢርካ ምስራሕ ከምዘይከኣል ጠቒሱ።
ኢትዮጵያ ንስማ ሓዊሱ ኩሎም ሃይማኖታዊን ታሪኻዊን ኣምራታ ካብ ትግራይ ከምዝብገሱ ዝሓበሩ ኣባ ገብረመድህን ገ/ጊዮርግስ እተን ኣህጉረ ስብከት ህዝቢ ትግራይ ምስ ተብርስ ዘላ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ክተሓባበራ ስለዘይኽእላ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ከምዘጣይሻ ሓቢሮም።
ኣብ በዝሒ ህዝቢ ብዝተኣማመኑ ሓይልታት ዝተወረረ ህዝቢ ትግራይ ዓርሱ ንምውሓስ ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ ኣጠናኺሩ ብምቕፃል “ብዙይ ብቱይ ይኽበቡ ብባዕሉ ተኣማሚኑ” ህልውንኡ ከረጋግፅ ብስምረት ክሰርሕ ከምዝግባእ ገሊፆም።
ምክትል ኣካያዲ ስራሕ እቲ ሃገረስብከት ኣባ ገብረኪዳን ገ/ጊዮርጊስ ገዳማት ዝደብደቡ መራሕቲ ሃይማኖት ዝረሸኑ መነኮሳት ዝደፈሩ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን “ሃይማኖታዊ ክብርታትን ታሪኽን ህዝቢ ትግራይ ከጥፍኡ ዝተልዓሉ ወረርቲ ስለዝኾኑ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ተልዒሉ ዓዱ ክከላኸል እዩ ዝግባእ” ኢሎም።
ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ምፅናት ዘርኢ ተጋሩ ምስ ዝደገፈን ዝመረሐን ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ዝነበሮ ጥምረት ከምዘቋረፀ ምሕባሩ ዝዝከር እዩ።