ኣብ ልዕሊ መንገዲ ኣየርን ባንኪ ንግዲን ኢ/ያ እገዳ ክግበር ፃውዒት ቀሪቡ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 21 ዓመታት ካብ ኣሜሪካዊ መርበብ ምቹውነት ዕድል ንዕቤት ኣፍሪካ ቁጠባዊ ተጠቃምነታ ልዑል ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ 5 ዓመታት ጥራይ እኳ ልዕሊ 4 ቢልዮን ዶላር ንልምዓትን ሰብኣዊ ሓገዝን ድጋፍ ካብ ኣሜሪካ ረኺባ።

ስርዓት ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅሞ ዘሎ ጀኖሳይድ ስዒቡ ግና ካብዚ ዕድል ተሰሪዛ።

እዚ ውፅኢት ውሕሉል ቃልሲ ዲያስፖራ ተጋሩ ምዃኑ ዝገለፀ ተማራማሪ ስነ ቁጠባ ዶ/ር ኣርኣያ መብራህቱ ፤ ሃገራት ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዘውዕልኦ ገንዘባዊ ሓገዝ ጠጠው ክብል ግደ ዲያስፖራ ተጋሩ ሕዚ እውን ክሕይል ከምዝግባእ እቶም ሙሁር ስነ ቁጠባ ሓቢሩ።

ብፍላይ ንመፈፀሚ ጀኖሳይድ ትግራይ ወታሃደራዊ ሓገዝ ዝውዕል ገንዘባዊ ድጋፍ ዝህብ ዘሎ ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያን ኣፅዋራት ዘጓዓዕዝ ዘሎ መንገዲ ኣየር አትዮጵያን ቁጠባውን ትካላውን ማዕቐብ ዝዓለመ ዓለምለኻዊ ማዕቐብ ክወሰደሎም ዲፕሎማስያዊ ፃዕሪ ዲያስፖራ ተጋሩ ከምዝሓትትን ምእንቲ እዚ ትኹረት ክግበረሉ ከምዝግባእን ዶ/ር ኣርኣያ መብራህቱ ክብል ተሌቪዥን ትግራይ ፀብፂቡ።

ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘንበረቶ ቁጠባዊ ማዕቀብ ሃገራት ኣውሮጷ እውን ብጥሕሰት ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ዘይዋገያ ብምዃነን ገንዘባዊ ሓገዝን ካብ ምሃብ ክቑጠባ ትፅቢት ከምዝግበር ሓጋዚ ተመራማሪ ስነ ቁጠባ ዶ/ር ኣርኣያ መብራህቱ ኣረዲኡ።