ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ወገናት ዘብፅሖ ዘሎ ደብዳብ ድሮንን ነፈርትን ብዘይሻራዊ ኣካል ክምርመር ፃዉዒት ቀሪቡ።

ኣብ ክልል ኦሮምያን ኣብ ትግራይን ብትእዛዝ መንግስቲ ብልፅግና ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ወገናት ዝበፅሕ ዘሎ ደብዳብ ድሮንን ነፈርትን ማሕበረሰብ ዓለም ብዘይሻራዊ ኣካል ምርመራ ከካይድን ጠጠዉ ከብሎን ክብል ግምባር ናፅነት ኦሮሞ “ኦነግ” ገሊፁ።

ኣብዚ ቕነ ኣብ ቡዙሓት ከባቢታት ኦሮሞ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ድሮንን ንብርክት ዝበሉ ወገናት መጉዳእቲ ኣብፂሑ፣ ኣመዛቢሉን ሃፍቲ ንብረቶም ብዘይኣግባብ ወዲሙን እዩ ዝበለ መግለፂ ግምባር ናፅነት ኦሮሞ እዚ ተግባር ብዋናነት ዝመርሕ ዘሎ ድማ መንግስቲ ኣብዪን መሓዝኡ መንግስቲ ኤርትራን እዩ ኢሉ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ኦሮምያ መጥቃዕቲ ድሮን ካብ ዝተፈፀሞም ከባቢታት ካራዩ ( ምስራቅ ሽዋ )፣ ሓረርጌ ( ሜኤሶን ከባቢ መቻራን )፣ ሳላሌ፣ ሜታ ወልቂጤን ኬራሙን ካልኦትን ምዃኖም እቲ መግለፂ ኣገንዚቡ።

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ከባቢታት ካብ ወታደራዊ ዕላማ ናፃ ዝኾኑን መንበሪ ሰለማዉያን ሰባት ምንባሮምን ብዝተኻየደ መፅናዕቲ ተረጋጊፁ እዩ ዝበለ መግለፂ ግምባር ነፃነት ኦሮሞ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ እንትፍፅም ናይ መጀመርትኡ ኣይኮነን ኢሉ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኦነግ ኣብ መግለፂኡ፡ መንግስቲ ብልፅግና ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብተደጋጋሚ ይፍፅም ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ስለዝኾነ እዉን ማሕበረሰብ ዓለምን መንግስታቶምን ነዚ ኣብ ሰለማዉያን ዜጋታት ዝግበር ዘሎ ዘይስሩዕ መጥቃዕትን ደብዳብን ብህፁፅ ደዉ ከብሎ ይግባእ ኢሉ እቲ መግለፂ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ኢትዮጲያ ናይ ፖለቲካ ሃልክን ሕቶ መሰልን መፍትሒ ዝርከበሉ ብዝሰኸነ ኣገባብን ኩሉ ዝሓቖፈ ዘተ መድረኽን እምበር ብኩናትን ንፁሃን ብምድብዳብን ዝፍታሕ ነገር ከምዘየለ ኦነግ ኣተሓሳሲቡ።