ሱዑዲ ዓረብ ተጋሩ ናብ ኢትዮጵያ ምጥራዝ ደው ክተብል ሂዩማን ራይትስዎች ፀዊዑ።

ኢትዮጵያ፡ ካብ ሱዑዲ ዓረብ ሓይሊ ዝተጠረዙ ኣሽሓት ተጋሩ ተቐቢላ ትኣስሮም፣ ተሳቕዮምን ኣድራሻኦም ተጥፈኦም ከምዘላን ሂይማን ራይትስዎች ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ ሓቢሩ።

ብምዃኑ እውን ሱዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ከምዚ ዓይነት ናይ ጭካነ ስጉምቲ ምውሳድ ደው ክተብልን ብኣንፃሩ ትካል ስደተኛታት ሑቡራት ሃገራት “ዩኤንኤችሲአር” ዓለም ለኸ ከለላ ክህቦም ሂማን ራይትስዎች ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ዓለም ለኸ ትካል ተጣባቂ መሰል ስደተኛታት ሂይማን ራይትስዎችን ተጣባቒት መሰል ስደተኛታትን ናዲያ ሃርድማን፡ ከምዝበለቶ ኣብ ግፍዓዊ ቤት ማእሰርቲ ሱዑዲ ዓረብ ፀኒሖም ናብ ኢትዮጵያ ዝጥረዙ ተጋሩ ናብ መዳጎኒ ማእከላት ደቡብ ክልልን ዓፋርን እናተወሰዱ ይዳጎኑ ከምዘለው ኣቃሊዓ።

ብምዃኑ እውን ኢትዮጵያ እዞም ሱዑዲ ዓረብ ዝተመለሱን ብዘይዝኾነ ምኽንያት ዝተኣሰሩን ተጋሩ ብህፁፅ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክትፈትሖም ሂማን ራይትስዎች ኣጠንቂቁ።

ትካል ሂማን ራይትስዎች ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ኢትዮጵያ ወፂኦም ዝፀንሑ ተጋሩ ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ክሳብ ሰነ 2021 ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተመለሱ ስደተኛታት እቶም 40 ሚእታዊ ተጋሩ ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

ካብቶም ተመለስቲ 23 ተመለስቲ ተጋሩ ቃለ መሕትት ዝገበረሎም ክኸውን ከሎ ኣብ ሱዑዲ ዓረብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ፀኒሖም ናብ ኢትዮጵያ ምስተመልሱ ዳግማይ ከምዝተኣሰሩ ምስክርነቶም ሂቦም።

ሂማን ራይትስዎች ነዚ ደው ንምባል ንፌደራል ፓሊስ፣ ኤምባሲ ሱዑዲ ዓረብ ኣብ ዋሽንግተን፣ ንባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሱዑዲ ዓረብን ንውሽጣዊ ጉዳያት ሚኒስትር ሱዑዲ ዓረብን ደብዳበ ዋላ እኳ እንተለኣኸ ምላሽ ከምዘይረኸበ ኣረዲኡ።

ስለዝኾነ እውን ሱዑዲ ዓረብ፡ ተወላዶ ትግራይ ብሓይሊ ምምላስ ኣቢላ ናብ ሳልሳይ ሃገር ዖቕባ ዝረኽቡሉ ኩነታት ክተመዓራሪ ሁይማን ራይትስዎች ፀዊዑ።