ፍሉይ ልኡክ ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ጄፌሪ ፌልትማን ጽባሕ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣቱ ተሓቢሩ።

ፍሉይ ሉኡክ ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ጄፌሪ ፌልት ማን ጉዳይ ሰላም ኣመልኪቱ ንምዝታይ ናብ ኢትዮጲያ ጽባሕ ሓሙስ ከምዝኣትው ሓደ ላዕለዋይ ሰበ ስልጣን ኣሜርካ ንሮይተርስ ሓቢሩ።

ፌልትማን ነዚ ዕውደት ዘሳልጥ ዘሎ ኣብ ጉዳይ ሰላም ኣመልኪቱ ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢትዮጲያ ንምዝታይ እዩ።

መንግስቲ ኣሜርካ ሓይልታት ምኽልኻል ትግራይ ካብ ተቆጻጺርዎም ዝነበረ ከባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ለቂቁ ምውጹኡ ንሰላም ጽቡቅ ኣጋጣሚ ፈጢሩ እዩ ኢሉ ንኢዱ ዝነበረ እንትኸውን ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኣጋጣሚ  ንምጥቓምን እቲ ዂናት ብዘተ ክኽንበት ንምግባር  ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ምርብራብ ይርከብ።

ኣሜርካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጲያ ጸቅጢ ንምፍጣር ብፍሉይ ሉኡኽ ቀርኒ ኣፍሪካ ጀፌሪ ፌልት ማን ዝምራሕ ዕውደት ንመንግስቲ ኢትዮጲያ ይሕግዛ ናብ ዝርኸባ ሃገራት ቱርኪ፣ ዓረብ ኢምሬትስን ኩሙኡ ግብጺ ኣብ ዝሓለፈ ዕውደት ዝገበረ እንትኸውን መንግስቲ ኢትዮጲያ ይፍጽሞ ብዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ይፍጽሞም ዘሎ ገበናትን ካብ ጥሪ ሓደ ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ጀሚሩ ካብ ቀረጽ ኣልቦ ንግዲ ኣግዋ ከም ኢትዮጲያ ከምዝተባረት ይፍለጥ።