ስርዓት ኢትዮጵያ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ እዚ ዓመት ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ኣብ ትግራይ ብዝፈጸሞ ደብዳብ ድሮንን ንፈርቲን ብውሕዱ 143 ሰባት እንትሞቱ 213 ሰባት ድማ ከምዝቆሰሉ ብሉንበርግ ጸብጺቡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ቱርኪን ዓረብ ኢምሬትስ ብዝገዘኣን ዶሮናት ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 40 ግዜ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ደብዳብ ከምዘካየደ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝነጥፉ ትካላትን ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ዲፕሎማሰኛታትብ ዝተዛረቡ እንትኸውን ብሰንኪ እቶም ደብዳባት ድማ 143 ሰባት ብውሕዱ ከምዝሞቱ ሓቢሮም።
መንግስቲ ኢትዮጲያ ብመሬት ሰራዊት ተጠቂመ ቦታት ሒዘ ዋላ እንተበለ ኣብዝሓ ውግኣት ግን ካብ ዓረብ ኢምሬትስን ቱርኪን ብዝገዘአን ድሮናት የካይድ ከምዘሎ ዘቃልዑ እቶም ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ልዕሊ ሰለማዊያን ሰባት ጉድኣት የብጽሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።
ፍሉይ ሉኡክ ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ዝሓለፈ ንኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብ ቱርኪን ዓረብ ኢምሬትስ ኣብ ዝነበሮም ጻኒሒት እተን ድሮና ኣብ ልዕሊ ሲቪልያን ዘብጽሕኦ ዘለዋ ጉድኣት ኣመልኪቶም ዘለዎም ስክፍታ ዝገለጹ እንትኸውን ኣብቲ ኲናት ኢደን ኣእቲወን ዘለዋ ሓይልታት ንሰላም ጽዕንቶ ክገብራ ምሕታትም ዝዝከር እዩ።