ተሓከምቲ፡ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዝወደቑ ሰብ ሞያ ሕክምና ኣፍሊጦም።

ዶካትርን ባዓል ሞያታት ጥዕናን ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል እቲ ትካልን ተሓከምቲን ዘለውዎ ኩነታትት ኣመልኪቶም ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ቅዋም መግለጺ ልዕሊ 300 ሽሕ ሕሙማን ዘሰተኣናግድ ዝነበረ እቲ ሆስፒታል ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሕጽረት መድሓኒት ኣድለይቲ ናውቲ ሕክምናን ኣብ ከቢድ ኩነታት ወዲቑ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

ቀልልቲን ከበድቲን ሕማማት ንምሓካም ዘድልዩ መድሓኒታ ኣብዚ ሐዚ እዋን እቲ ሆስፒታል ናብ ዘይብሉ ብርኪ ወዲቑ እዮም ዝበሉ እቶም ዶካትር ቀረብ መድሓቲ እቲ ሆስፒታል ናብ 17.5 ሚኢታዊ ከምዝወረደን በቢማዓልቱ ድማ እናቆልቖለ ከምዝርከብ ገሊጾም።

ቀረብ ኦክሲጂን እውን ኣብቲ ሆስፒታል ብዘተኣማምን ብርኪ ዘየለ እንትኸውን ብተደጋጋሚ ምቁርራጽን ሰኣን ንጽገና ዘድልዩ ናውትን ተሓከምቲ እቲ ሆስፒታል ይሞቱ ከምዘለው ኣብሪሆም።

ብተወሳኪ እቲ ሆስፒታል ስሩዕ ግልጋሎት መብራህቲ ብኣግባቡ ክረክብ ብዘይ ምክኣሉን ናይ ስልኪን ካልኦት መራክብቲ መገዲታት ስለዘየብሉን ኣብ ውሽጢ እቲ ሆስፒታልን ደገን ብእግርካ እናተጋዓዝካ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ክሳብ ስሩዕ ናይ ማሃያ ክፍሊት ይፍጸመሎም ከምዘየለ ብተወሳኪ ዝሓበሩ እንትኸውን እቲ ኣብ ባንኪ ዘለዎም ገንዘብ እውን ኣውጺኦም ክጥቀሙ ብዘይምካሎም ባዕሎሙን ስድራቤቶምን ኣብ ከቢድ ጸገም ምውዳቖም ገሊጾም።

መልዐሊ እቲ ዂናት ዝኮነ እንተኾነ ኣብ ልዕሊ እቲ ሆስፒታልን ተሓኸምቱን ከምዚ ዝበለ ማዕቐብ ምግባር ኣግባብ ከምዘይኾነ ዝሓበሩ እቶም ደካትር  ማሕበረሰብ ዓለም ካብ በቢእዋኑ የሻቅለናን የተሓሳሰበናን ዝብል መግለጺ ብዝሓልፈ ተግባራዊ ስጉምቲ ክወስድን ንተሓከምቲ እቲ ትካል ክበጽሓሎም ተማሕጺኖም።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ካብ ወርሒ ሓምለ መወዳእታ ጀሚሩ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ናብ ትግራይ ከይኣትው ሙሉእ ንሙሉእ ዝከልክለ እንትኸውን ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣንቢርዎ ዘሎ ዕጽዋ ብኣሸሓት ዝቁጸሩ ብቀሊል ሕክምናን ክትትልን ክድሕኑ ዝክእሉ ተሓክምቲ ከምዝሞቱ ይፍለጥ።