ኣሜሪካ፡ ንጉዳይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝከታተል ሓዲሽ መሪሕነት ከምእትመዝዝ ተሓቢሩ።

ብምምሕዳር ባይደን፣ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ፣ ዝተመዘዘ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፌልትማን፣ ድሕሪ ትሽዓተ ኣዋርሕ ካብ ስልጣኑ ከምዝወርድ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ምስ ምውላዕ ኵናት ትግራይ ተዛሚዱ ነቲ ኩነታት ብሰለማዊ መገዲ ንምህዳእ ዝተመደብ ፍሉይ ሉኡኽ፣ ኣብ ወመዳእታ ናይዚ ወርሒ፣ መዝነቱ ከረክብ ምዃኑ እቲ ማዕኸን ዜና ሓቢሩ።

ኣብ ክንድኡ ድማ ኣብታ ንስርዓት ኢትዮጵያ ካብ ድሮን ጀሚሩ ማእለያ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ሓገዝ እተበርክት ዘላ ቱርኪ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ቱርኪ ኮይኑ ዝሰርሐ ዳቪድ ሳተርፊልድ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ከምዝሰርሕ ተገሊፁ።

ኣምባሳደር ፌልትማን፣ ካብ መዝነቱ ዝእለየሉ ዘሎ ምኽንያት ዋላ እኳ እንተዘይነፀረ ንቅልውላው ኲናት ትግራይ ሰለማዊ ፍታሕ ከምፅእ ዘይምኽኣሉ ክኸውን ከምዝኽእል ተዓዘብቲ ይገልፁ

እቲ ኣምባሳደር፣ ንትሽዓት ኣዋርሕ፣ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ኣብ ዝሰርሓሉ፣ ብዘይካ ምስ ኤርትራ፣ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኵናት ትግራይ፣ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያን ሃገራት እቲ ዞባ ን ብዝምልከት ከምዝተዘራረበ ዝፍለጥ እዩ።