ሰራዊት ትግራይ፡ ሐዚ ንዘሎ ክባ ፈንፂሑ ናይ ምውፃእ ሙሉእ ዓቕሚ ከምዘለዎ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፁ።

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ነዊሕ ርሕቐት ናብ ማእኸል ዓዲ ተጓዒዙ ናብዚ እንትበፅሕ ገዚፍ ናይ ፀላኢ ዓቕሚ እናሰበረን እናዳኸመን ከምዝኾነ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ሓቢሩ።

ፀላእቲ ናይ ዓወት ዝመስል ፈኸራታት ይገብር ከምዘሎን እንተኾነ ልምዲ ኮይንዎም እምበር ዘፍክር ስራሕ ከምዘይሰርሑ ኣረዲኡ።

ኣይኮነን ብናትና ድሌት በዓልትና ወፂእና ፣ ስዒሮምና ዓወት እንተዝረኽቡ እውን ዘፈክር ነገር ኣይነበረን። ግን ፍርሒ ኣለዎም።
ብዙሕ ኣባል ሰራዊት ስኢኖም እዮም ፣ በዚ ውሽጦም ዝፈጠሮ ፍርሒ ኣሎ። ናብ ትግራይ ኣይንኣቱን ዋላ እንተበሉ ንምእታው ምፍታኖም ግን ኣይተረፈን። ኩናት ከፊቶም ተወቂዖም እዮም። ክብል ጀነራል ወዲ ወረደ ገሊፁ።

ብተወሳኺ ምስ እዚኦም ከመይ ኣቢልና ኢና ብሓንሳብ ንነብር ኔርና ዘብል ብዙሓት ዘረባታት ንሰምዕ ንርኢ ኣለና። ኣመል እዩ ኮይንዎም መስለኒ፣ ዝልውጥዎ ነገር ግን ከምዘየለ ሓቢሩ።

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ናብ ኩሎም ከባቢታት እንትግስግስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግንባር ኩናት እናገጠመ ክኸይድ ከሎ ፀላኢ ማእኸላይን ታሕተዋይን ኣመራርሕኡ ሙሉእ ብሙሉእ ብዝበሃል ከምዘስኣኖ ወዲ ወረደ ኣብሪሁ።

ሰራዊት ትግራይ ናብቲ ኩናት እንትኣቱ ብጀካ ካላሽን ዝኾነ ዓይነት መሳርሒ ከምዘይነበሮን ሕጂ ግን ብጄካ ድሮን ኩሉ መሳርሕታት ከምዝዓጠቐ ሓቢሩ።

ካብ ዝነበሮም ከባቢታት እንትወፅእ እውን እንተኾነ ኩሉ ዕጥቅን ንብረትን ሒዙ ከምዝወፀ ጀነራል ወዲ ወረደ ገሊፁ።

ኣብዚ ቅነ ብምዕራብ ገፅ ኣብ ዓዲ ኣርቃይን ማይ ፀብሪን ዝነበረ ምርብራብ እውን ኣብ ሓደ ግንባር ክልተ ግዘ ፀላኢ ከምዝተደምሰሰን ከቢድ ክሳራ ከምዝወረዶን ሓቢሩ።

እቲ ብውሑድ ሓይሊ ዝተኻየደ ስርሒት ክሳብ 10 ሽሕ ዝግመት ሰራዊት ከምዝተደምሰሰን ዝተረኸበ ዓወት ብዜናን ብደርፊን ክንዕጅቦ ዋላ እኳ እንተዘይደለና እቲ ዘጋጠሞም ስዕረት ግን ብናይ ባዕሎም መንገዲ ከምዘቃለሑዎ ኣረጋጊፁ።

ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዕፅዋ ከምዘሎን እዚ ዕፅዋ ከምኡ ኢሉ ኣይነብርን ብሓይሊ ከምዝፍታሕን ኣረዲኡ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰራዊት ትግራይ ምስ ሙሉእ ቁመንኡ ከምዘሎ መላእ ህዝቢ ትግራይ ክፈልጥነ ከምዘለዎን ውሽጣዊ ስራሕ ይሰርሕ ከምዘሎን ጀነራል ወዲ ወረደ ኣረጋጊፁ።