ውድብ ጥዕና ዓለም ቀረብ ኣፋውስ ናብ ትግራይ ከእቱ ከምዘይከኣለ ሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ዝተፈጠረ ዕፅዋን ክባን ቐረብ ኣፋውስ ናብ ትግራይ ከእቱ ከምዘይከኣለ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኣፍሊጡ ።

ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ቕልውላው ከምዘሻቐሎ ዝገለፀ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብዚ ወርሒ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልዕሊ 70 ሜትሪክ ቶን ሓገዝ ኣፋውስ ዋላ እኳ እንተኣተወ ናብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ዘሎ ክባን ዕፅዋን ኣፋውስ ከእቱ ከምዘይከኣለ ኣፍሊጡ።

ብዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝምራሕ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሶርያ፣ የመን፣ ደቡብ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ከቢድ ቅልውላው ኣብ ዝነበረሉ እዋን ቐረብ ኣፋውስ ነእቱ ነይርና ኢና ናብ ትግራይ ግን ኣዝዩ ኣፀጋሚ ኾይኑ ከምዘሎ ገሊፁ ኣሎ።

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሕፅረት ኣፋውስ ብርክት ዝበሉ ሰባት ይሞቱን ይሳቐዩን ስለዘለዉ ብህፁፅ እቲ ዕፅዋን ክባን ክፍታሕ ከም ዝግባእስ ድማ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣተሓሳሲቡ።