መፃኢ ዕድል ትግራይ ብህዝቢ ትግራይ ጥራይ ዝውሰን ከምዝኾነ ዶ/ ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ገሊፁ።

ፕሬዝደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ንህልዊ ኩነታት ትግራይን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ምስ ማዕኸን ዜና ስኤን ኤን መብርሂ ሂቡ።

ሰራዊት ትግራይ ካብ ኣፍደገ አዲስ አበባ ዝተመልስናሉ እቲ ኩናት ብናይ ፓለቲካ አፈላላይ እዩ ተጀሚሩ ብፓለቲካዊ ልዝብ ክፍታሕ አለዎ ዝብል ቅዋም ከምዘለዎም ሓቢሩ።

ብዝበለፀ ንአሜሪካ ሓዊሱ ካብ ኩሎም ኩርናዓት ዓለም ፃውዒት ሰላም ይቐርበልና ስለዝነበረ ብሰላም ምፍታሕ ይሓይሽ ኢልና ኢና ካብ ሒዝናዮም ዝነበርና ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ዝወፃእና ክብል ኣረዲኡ።

ዶ/ር ደብረፅዮን ወሲኹ ምስ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ክንሰርሕ ስለዝግባእ እውን ኢና ካብ አዲስ ኣበባ ምእታው ተቆጢብና ኢሉ።

ካብ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እንደልዩ ነገር ዓፀቦ ህዝብና ደው ክብልን ስሩዕ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣትው ንደልይ ኢና ዝበለ ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ዕፅዋ አገልግሎት ባንኪ፣ መብራህቲ ፣ ቴሌኮምን ከምኡውን አገልግሎት መጎዓዝያ ናብ ንቡር ክምለስ ኣለዎ ክበል ንስኤን ኤን ገሊፁ።

ከምኡ እውን ምስ መፃኢ ዕደል ትግራይ ተተሓሒዙ ንዝቐረበሉ ሕቶ ድማ መፃኢ ዕድል ትግራይ ብህዝቢ ትግራይ ጥራሕ እዩ ዝውሰን ክብል ደጊሙ ኣረጋጊፁ።

እንተኾነ ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ኣብ ኣካይዳ መንግስቲ ትግራይ ጥርጣረ ኣለና፣ ንትግራይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝካየዱ ዘተታት ነይኹሉ ዝሓቖፈ ውክልና ክህሉ ኣለዎ ብምባል ተደጋጋሚ መግለፂ ምውፅኦም ዝፍለጥ እዩ።