ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራ ን30 ሰላማውያን ተጋሩ ካብ ቤት ማእሰርቲ ደሴ ኣውፂኦም ከምዝረሸንዎም ውፃእ መዓት እቲ ቤት ማእሰርቲ ሓቢሮም።

ንሕና እውን ሰራዊት ትግራይ እንተዘይበፅሐልና በቢክፍሉ ነዳዲ ኣዳልዮም ከቃፅሉና ኔሮም ክብሉ ካብ ደሴ ዝተመዛበሉ ስድራ ተዛሪቦም።

ወይዘሮ ኣፀደ ገብረስላሴ ኣንፃር ደርግ ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ ምስ ዝረኸበቶ ተወላዲ ደሴ መቓልስታ ሙሉቀን ተገኘ ካብ 1986 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ትውልዲ ዓዲ በዓል ቤታ ሓዳር መስሪታ ኣስቤዛ ብምሽቃጥ ህይወት ስድራኣ ክትመርሕ ዝፀነሐት እያ።

ቅድሚ 8 ኣዋርሕ ፖሊስ ደሴ ‘ጁንታ’ ብዝብል ታርጋ ንወዲ 12 ዓመት ወዳን በዓል ገዝኣን ሓዊሱ ኣሲሩ ከሳቕዮም ድሕሪ ምፅናሕ ክቕተሉ ተረኦም ኣብ ዝበፀሐሉ መወዳእታ ሕዳር 2013 ዓ.ም ግእዝ ሰራዊት ትግራይ ንደሴ ብምቁፅፃሩ ምስ ስድራኣ ከምዝደሓነት ሓቢራ።

በዓል ገዝኣ ብትውልዱ ኣምሓራይ እኳ እንተኾነ “ትግራወይቲ ሰበይቲ ስለዘእተወ ምሳይ ማዕረ ተገሪፉን ተሳቕዩን” ዝበለት ወይዘሮ ኣፀደ ትሕቲ ዕድመ ዝኾነ ህፃን ወዶም ከይተረፈ “ብካቴና እግሩ ኣሲሮም ክሳብ ዝሕንክስ” ከምዘሳቐይዎ ተዛሪባ።

ኣይተ ሙሉቀን ተገኝ ብወገኑ ሰራዊት ትግራይ ንደሴ ለቒቑ እንትምለስ ምስ በዓልቲ ቤቱን ወዱን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝወደአ መንበሪ ገዝኦምን ንብረቶምን ገዲፎም ንመቐለ ከምዝመፁ ተዛሪቡ።

“ሰራዊት ትግራይ 20 ሕዳር ኣትዩ እንተዘየድሕነና 21 ሕዳር ንኸቃፅሉና ነዳዲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ እቲ ቤት ማእሰርቲ” ኣዳልዮም ምንባሮም ገሊፁ።

“ፖላዊስ ከተማ ደሴ ን30 ሰላማውያን ተጋሩ ካብ ቤት ማእሰርቲ ብስም እናፀውዑ ወሲዶም ኣሬራ ተራራ ኣብ ዝበሃል ቦታ ረሺኖምዎም” ዝበለ ተወላዲ ብሄረ ኣምሓራ ኣይተ ሙሉቀን ተገኝ እቶም ፖላዊስ “ንኣና እውን መዓልትኹም ተፀበዩ እናበሉ” የፈራርሕዎም ከምዝነበሩ ሓቢሩ።

ካብቶም ኣብ ኣሬራ ተራራ ዝተረሸኑ ሰባት “እተን 12 ተጋሩ ደቂ ኣነስትዮ” ምዃነን ወይዘሮ ኣፀደ ገብረስላሴ ተዛሪባ።

“ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ክብሪ ዘለዎ ህዝቢ ምዃኑ ስለዝፈልጥ እየ እታ ክትቀትለኒ ዝበሃገት ትውልዲ ዓደይ ገዲፈ መፂአ ዝበለ ኣይተ ሙሉቀን ኣብ ክፍለከተማ ዓይደር ጣብያ ሰርፀ ንግዚኡ ንቢሮ ተገልግል ዝነበረት ሓንቲ ክፍሊ ተዋሂባቶም መናእሰይ እቲ ከባቢ ሓገዝ እናተኣኻኸቡ ከምዝቕልብዎም ሓቢሩ።

“ህዝቢ ትግራይ ሕማቕ ተጌረ ኢሉ ሕነ ክፈዲ ዘይብህግ እንታይነት ሰብ ዝርዳእ ህዝቢ ምዃኑ” ምዕዛቡ ዝገለፀ ኣይተ ሙሉቀን ተገኝ ንሕልንኡ ዝነብር ንዝኾነ ኣካል ከምሰብ ዝርህርህ ህዝቢ ክብል ንህዝቢ ትግራይ ይገልፆ።