ስርዓት ኢሳያስ ብሸነኽ ሰሜን ምዕራብ ሓድሽ ኲናት ከምዝኸፈተ ተገሊፁ።

ስርዓት ኢሳያስ ብሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ፣ ኣብ ሸራሮ ከባብታት ዓዲ ፀፀር ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣረጋጊፁ።

እቲ ስርዓት ኣብ ውሽጢ እዚ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝጀመሮ ወራር፡ ዓለም ለኸ ሕጊ ብምጥሓስ ኣካል እቲ ኣብ ትግራይ ሰላም ከይህሉ ዝገብሮ ዘሎ ተግባር ከምዝኾነ ኣረጋጊፁ።

እንተኾነ እቲ ፈተነ ብሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ከቢድ ፀረ መጥቃዕቲ ስለዝገጠሞ ንድሕሪት ከምዝተመለሰን ብኸቢድ ብረት ከምዝደበን ምንጭታት ኣረጋጊፆም።

እንተኾነ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ትግራይ ኣብ ዘይፈልጥዎ ኲናት ዝዳጎኖም ኲናት ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ተሓላቒ ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ካብ ምውሳኽ ሓሊፉ ግን ኩነታት ክልውጥ ዝኽእል ዓቕሚ ከምዘይብሉ ተዓዘብቲ ይገልፁ።

ኣብ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ነቲ ድኹም ህላወኡ ንምግላጽ “ስለ ዘይተዳለና ኢና” ብምባል ትማሊ ከመኻኒ ከምዝፈተነ ዝፍለጥ እዩ።