ኣብ ደቡባዊ ትግራይ ዓሪዱ ዝፀነሐ ወራሪ ሓይሊ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ሰብኣዊ ኪሳራ ከምዝበፅሖ ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ገሊፁ።

ተስፋሕፋሕቲ ሓይሊ ኣምሓራ ኣብ ደቡባዊ ትግራይ ዓሪዱ ኣብ ልዕሊ ናይቲ ኸባቢ ነባሪ ንብረትን ጥሪትን ብምዝራፍን ሰለማዉያን ሰባት ብግፍዒ እናቐተለን ከምዝፀነሐ መግለፂ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ኣፍሊጡ።

ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራ ኣብ ዋጃ፣ ጥሙጋ፣ ዓዲኣዉሊዕን ሓዱሽ ቅኝትን ኣብ ዝበሃሉ ከባቢታት ደቡባዊ ትግራይ ፆታ፣ ዕድመን ከይፈለየ ዝተፈላለዩ ግፍዕታት እናፈፀመ ምፅንሑ እዉን ብምዉሳኽ እቲ መግለፂ ኣዘኻኺሩ ኣሎ።

ይኹን እምበር ሰራዊት ትግራይ ብናይ ባዕሉ ትልሚ መሰረት ብዝገበሮ ናይ ቦታን ቁመናን ምትዕርራይ ነዚ ግፍዒ ክፍፅም ኣብ ልዕሊ ዝፀንሐ ሓይሊ ፀላኢ 30 ታሕሳስ 2014 ዓ/ም ብምፅርራግ ዓብዪ ሰብኣዉን ንዋታዉን ኪሳራ ከምዘብፀሐሎም ተገሊፁ።

ኣብ ልዕሊ ደጀን፣ ነብሮ፣ጣና ዝበሃሉ ብክፍለ ሰራዊታት ዝተወደቡ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ብበዝሒ ድማ ፋኖን ምልሻን እንትኾኑ ሰራዊት ትግራይ ብዝገበሮ መጥቃዕቲ ኮለኔል ደረጀ ዝበሃል ኣዛዚ ቦጠለኒ እንትቕተሉ ብድምር ልዕሊ ክልተ ሽሕ ሰብኣዊ ኪሳራ ከምዝበፀሖ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ገሊፁ።

ብተወሳኺ ካብ ናዉቲ ኩናት እዉን ድሽቃ፣ ብሬንን ስናይፐርን ዝርከቦ ብኣማኢቲ ዝቑፀሩ ፎከስቲ ብረታትን በዝሒ ጠያይትን ዝርከቡዎም ንብረት ፀላኢ ኣብ ኢድ ቁፅፅር ሰራዊት ትግራይ ምእታዉ እዩ ተገሊፁ።

ኣብ መወዳእታ ሰራዊት ትግራይ ኣብዚ ምዕራፍ ብዘካየዶ ዉግእ ሓይሊ ፀላኢ ዓሪድሉ ዝነበረ ከባቢታት ፀራሪጉን ዝምንዛዕ መንዚዑን ንቦታታት ጥሙጋ፣ ዋጃ፣ ዓዲ ኣዉሊዕን ሓድሽ ቅኝትን ብምቁፅፃር ኣብ ብቱኡን ግዝኣቱን ኮይኑ ናይ ምክልኻል ቁመንኡ ኣጠናኺሩ ከምዝሓዘ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዘዉፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።