ሓገዝ ወሃብቲ ኣካላት ኣብ ትግራይ ስረሖም ደው ከምዘበሉ ተገሊፁ።

ብሰንኪ ተኸታታሊ ደብዳብ ነፈርቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካልኦት ሓገዝ ወሃብቲ ኣካላትን ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ዘካይድዎ ዝነበረ ስራሕቲ ደው ከምዘበሉ ዕላዊ ገይሮም።

ካብ ዞባ ምዕራብ ተፈናቒሎም ኣብ ከተማ ደደቢት ይነብሩ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ተፈናቐልቲ ብዝተኻየደ ኣረመናዊ ጨፍጫፍ ዜጋታት ነቶም ወገናት ሓገዝ ይገብሩ ዝነበሩ ኩሎም ትካላት ረድኤት ስራሕቶም ጠጠው ከምዘበሉ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ኦቻ ኣረጋጊፁ።

ሕጂ እውን ተመሳሳሊ ተግባራት ዘንፀላልወሉ ዘሎ ከባቢ ምዃኑ ስራሕትና ክንፍፅመሉ ዝኽእል ዕድል ስለዘየለ ኩሎም ዝካየዱ ዝነበሩ ሰብኣዊ ሓገዛት ጠጠው ክብል ከምዝኸኣለ ማዕኸን ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ፀብፂቡ።

ኣብቲ ዝሓለፈ 29 ታሕሳስ ብግእዝ ከውታ ለይቲ ካብ ዞባ ምዕራብ ተፈናቒሎም ኣብ ከተማ ደደቢት ኣብ ሓደ ቤት ትምኝህርቲ ተዓቒቦም ዝነበሩ ተመዛበልቲ ብዝተኻየደ ደብዳብ 56 ወገናት ህይወቶም ክስእኑ ልዕሊ 120 ወገናት ድማ ከቢድ ጉድኣት በፂሕዎም እዩ።