ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ዘጥረዮ ሃብቲ ንብረቱ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝዓነዎ ፕረዚዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ገሊፁ።

ኣብ 6ይ ዘበን 2ይ ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ተረኺቦም ፀብፃብ ህልዊ ኩነታት ትግራይን ኣፈፃፅማ መደባት 6 ኣዋርሕን ከዘቕረበ ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ፣ ፀላእቲ ፕሮጀክት ጥፍኣት ምፅናት ህዝቢ (ጀኖሳይድ) ቀሪፆም ህዝቢ ትግራይ ብደሙን ኣዕፅምቱን ዘረጋገፆ መሰል ዓርሰ ዉሳነን ምሕደራን ንልዕሊ 30 ዓመታት ዘጥረዮ ሃፍትን ንብረትን ዝኸኣሉዎ ወሪሮም ዘይከኣሉዎ ከም ዘዕነዉዎ ኣብሪሁ።

ብተወሳኺ እቶም ልፍንታዉያን ወረርቲ ሓይልታት ህዝቢ ትግራይ ብጥምየት ክሃልቕን ናብ ስደት ፋሕፋሕ ክብልን ዘይኮዓትዎ ጉድጓድ ከምዘየለን ፀላእቲ ኣብዚ ክፍለዘበን ክፍፀም እዩ ተባሂሉ ዘይሕሰብ ዓለም ዘሰንበደ ገበን ምፅናት ህዝቢ ( ጀኖሳይድ) ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይፍፅሙ ምህላዎም ከምዝገለፀ ድምፂ ወያነ ትግራይ ኣቃሊሑ።

ብህዝባዊ ኣተሓሳስባን ዕላማን ከምኡ’ዉን ብኽብርታት ዓርሰ እምነትን ዓርሰ ምኽኣልን ተኣማሚንና ኣብ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ፍሉይ ታሪኽ እናመዝገብና ንርከብ ዝበኣረዲኡለ ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ፣ምእንተ ህልዉንኡነን መሰል ዓርሰ ዉሳንኡን ዝቃለስ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ፍሉይ ታሪኽ እናመዝገበ ይቕፅል ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኩለ መዳይ ዓቕሚ ሰራዊትና ኣብ ዝጠንከረ ቁመና ከምዝርከብን ምሸጥር ዓወትና ድማ ህዝቢ ትግራይ ዝሓዞ ንፁር ዕላማ ምዃኑ ሓቢሩ።