ስርዓት ኢትዮጲያ ኣብ ሒዋነን ማይ ጸብርን ብዘካየዶ ደብዳብ ድሮን 19 ሰባት ሰለማዊያን ሰባት ከምዝሞቱ ኣጃንስ ፋርንስ ፕረስ (AFP) ጸብጺቡ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ማይጸብሪ ብዕለተ ሶኒ ኣብ ዘካየዶ ደብዳብ ድሮን ኣብ እንዳ መጣሓን ይሰርሑ ዝነበሩ 17 ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተለ AFP ጸብጺቡ።

ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንAFP ከምዝገለጽዎ ካብቶም ዝሞቱ 17 ሰለማዊ ሰባት ብተውሳኪ ብ ዓሰርተታ ዝቑጸሩ ሰለማዊያን ሰባት ከምዝቆሶሉን ልዕሊ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ልዕሊ 16 ኣእድግ ከምዝሞቱን ተዛሩቦም።

ትማሊ ሰሉስ ድማ መንግስቲ ኢትዮጲያ ተመሳሳሊ ደብዳብ ድሮን ኣብ ሒዋነ ዝፈጸመ እንትኸንው  ክልተ ሰላማዊ ሰባት ቀቲሉ ብዓሰርተታ ዝቑጸሩ ድማ ከምዝቅሰሉ ናይ ሒዋነ ሆስፒታል ዶካትር ጠቂሱ AFP ጸብጺቡ።

እዚ ደብዳብ ድሮን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዝደንት ኣሜርካ ጆ ባይደን ብስልኪ ድሕሪ ዝገበሮ ቃለመሕትት ከምዝተፈጸመን ፕሬዝደንት ጆ ባይደን መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝፍጽሞም ዘለው ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊያን ሰባት ጉድኣት የብጹሑ ከምዘለዎ ድሕሪ ምትሕስሳቡ ከምዝኾነ AFP ኣዘካኺሩ።

ብካሊኣ ወገን ድማ መንግስቲ ኢትዮጲያ እግሪ እግሪ ልኡኻትን ሃገራትን ኣሸማገልቲን እናሓለወ ደብዳብ ድሮን ኣብ መቐለ ምኻያዱ ዝቀጸለ እንትኸውን ትማሊ ፍሉይ ሉኡክ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ፕሬዝደንት ነበር ናይጀርያ ኦሊሳጎን ኣባሳንጆ ኣብ መቐለ ዝነበሮ ዕውደት ዛዚሙ ካብ መቐለ ኣብ ዝተበገሰሉ ሒዳት ደቃይቅ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ መቐለ ደብዳብ ድሮን ከምዘካየደ ወሃቢ ቃል ሴንተራል ኮማንድ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ቲዊተር ገጹ ሓቢሩ።

በእቲ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊያን ሰባትን ንብረትን ዝበጸሐ ጉድኣት  ብዕሊ ዝየተገለጸ እትኸውን ማሕበረስብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ሰለማዊያን ሰባት ዝግበር ዘሎ ደብዳብ ብዘይዝኮነ ይኹን ተግባራዊ ስጉምቲ ብየተሓሳስበና እዩ ዝብል ቃል ተሓጺሩ ምቅማጡ ከምዝተሓሳስብ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ብሓደ ወገን ንሰላም ድልዊ እየ እንናበለ ማሕበረሰብ ዓለም እንናደናገረ ብካሊእ ወገን ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ተደጋጋሚን ተኸታታሊን ደብድብ ድሮንን ነፈርቲን ብምኻያድ ሂወት ብኣሸሓት ዝቑጸር ሰላማዊ ሰባት እናበለዐ ዝርኸብ እንትኸውን ብርኽት ዝበለ መሰረተ ልማዓት ድማ እናዕነወ ይርኸብ።