ሕብራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ደብዳብ ድሮናትን ነፈርቲን ደው ክብል ጸዊዑ።

ዋና ጻሓፊ ሕብራት ሃገራት ኣንተንዮ ጉቴሬዝ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝካይዶ ዘሎ ደብዳብ ደው ከብልን ተጻብኦታት ብዘይ ቅድመ ኩነት ደው ብምባል ዓለም ለኻዊ ጉቡኣትን ሕግታትን ከክብር ኣብ ቲውተር ገጹ ኣብ ዝጸሓፎ መልእክቲ ገሊጹ።

ስርዓት ኢትዮጲያ ሰብኣዊ ሓገዝ ክባጻሕ ክሰርሕን ሂወትን ኣካልን ሰላማዊ ሰባት ክሕለው ዝኣተዎ ቃል ከትግብር እቲ ዋና ጻሓፊ ዝጸወዐ እንትኸውን ትማሊ ድማ ወሃቢ ቃል  እቲ ዋና ጻሓፊ ሕብራት ሃገራት ምስ ካልኦት ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ብምዃን ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ዝነበሮም ምንቅስቃስ ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብን ልዕሊ 56 ሰላማዊ ሰባት ዝበለ ደብዳብ ድሮንን ከምዝቀነሱ ኣፍሊጡ።

ስርዓት ኢትዮጲያ ሐዚ እውን ብቀጥታ ነጻን ዘይተገደበን ምንቅስቃስ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝን ሰብኣዊ ሓገዝን ናብ ትግራይ ክኣትው ክፈቅድን ውድብ ሕብራት ሃገራት ዝጸወዐ እንትኸውን መንግስቲ ኢትዮጲያ ብዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ንዝተጎዱኡ ወገናት ዘድሊ ናይ ሕክምና ናውቲን መድሓኒትን ኽኣትው እውን ብተወሳኪ ጸዊዑ።

እንተኾነ ስርዓት ኢትዮጲያ ብማሕበረሰብ ዓለምን ትኻላትን ዝቀርበሉ ዘሎ ተደጋጋሚ ጻዊዒት ንጎኒ ብምሕዳግ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ድሮንን ነፈርቲን ዝቀጸለ እንትኸው ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰብን ንብረት ዓብይ ጉድኣት እናብጸሐ ይርከብ።