ላዕለወት ኣመራርሓ ኦሮሞ ፌደራላሲት ኮንግረስ(OFC) መንግስቲ ኢትዮጲያ ንሰላምን ዕርቅን ዘለዎ ቁሩቡነት ብተግባር እውን ከረጋግጽ ጸዊዖም።

ድሕሪ ሞት ስነ ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ንዛሓለፉ 18 ኣዋርሕ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ጃዋርን በቀለ ገርባን ሓዊሱ ካልኦት ኣመራርሓ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንጎረስ( ኦፌኮ) መንግስቲ ኢትዮጲያ  ንሰላምን ዕርቅን ዘለዎ ቁሩብነት ብተግባራዊን ብዘይዕጸፉ ውሳነታት ከረጋግጽ ከምዝግባእ ኣብ ዘውጽእዎ መገለጺ ፀዊዖም።

ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ኢትዮጲያ ተገዲድና ካብ ፖለቲካዊ መድረክ ኢትዮጲያ ካብ ንግለል ብዙሕ ነገራት ተፊጢሮም እዮም ዝበሉ እቶም ኣመራርሓ ኣብ ኢትዮጲያ ከይፍጠር እንሰግኦ ዝነበርና ዝኸፈአ ኩነታት ተፊጡሩን ንዲሞክራሲያዊን ሰላማዊን ስግግር ንክግበር ዝነበረ ዕድል ኩሉ ጠፊኡ እታ ዓዲ ናብ መስካክሒ ኲናት ከምዝኣተወት ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፈ 13 ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጲያን እታ ሃገርን ዝበጸሐ ጉድኣት ንምብርዓን ናብ ዘይከኣለሉ ብርኪ በጺሑ እዩ ዝበሉ እቶም ዝተፈቱሑ ኣመራርሓ ሐዚ እውን እተኾነ ካብ ዝገደደ ዕንወት ንምድሓን ዕርቅን ሰላምን ንምውራድን ጸቢብ ዕድል ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ነዚ ድማ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዘልዎ ቁሩብነት ብተግባር ካብ ምግላጽ ሓሊፉ ኩሉ በዓል ግደ ኣካላት ሓቃዊን ካብ ልቢ ዝፍልል ፖለቲካዊ ቁርጸኝነት ክህልዎም ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ  ትግራይ፣ኦሮምያን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ብፍሉይ እቲ ኲናት ብዘተ ክኽንበት ከምዝግባእ ዝጸውዑ እቶም ኣመራርሓ ክሳብ ብዘተ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕነት ዝፍጸም ተጻባእቲ ወገናት ሂወት ሰብን፣ንብረትን መሰረተ ልምዓትን ክሕልው ጸዊዖም።

ካብዚ ብተወሳኪ ናይ ደገ ሓይልታት ብፍላይ ድማ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርኸባ ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ተጸባእቲ ወገናት ናብ ዘተ ክመጹ ጸቅጢ ክገብሩን እቲ ኲናት ካብ ምቅፃጻልን ፖለቲካዊን ንዋታዊን ሓገዝ ካብ ምግባር ክቑጠቡን ዝጸውዑ እንትኾኑ ናይ ውሽጢ ዓዲ ሚድያታት ወገንተኛ ዝኾኑ ተርኻት ካብ ምፍናውን ናይ ጽልኢ ፕሮፖጋንዳ ካብ ምቅላሕን ክቑጠባ ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ብዘይዝኮነ ዝጭበጥ መረዳእታ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ተኣሲሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክሳቀዩ ዝጸንሑ ኣመራርሓ ኦፌኮ መንግስቲ ኢትዮጲያ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ ምክንያት ፖለቲካዊ ዓላማ ብምሓዝ ከምዝኣሰሮሙን ገዛኢ ውድብ ብልጽግና ኣብ መረጻ ኢትዮጲያ ክረክቦ ዝክእል ረብሓ ኣብ ግምት ብምእታው ከምዝተኣሰሩ ዝገለጹ እንትኸውን ሐዚ እውን መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣሲርዎም ዝርኸብ ኣባላትን ደገፍትን ውድቦን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ውድብ ክፈትሕ ጸዊዖም።