ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኣመልኪቱ ዝወጸ ፖለቲካዊ ቅዋም ውድባት ሓዱሽ ወሎዶ ትግራይ መዘራረቢ ዛዕባ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ውድባት ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ውድብ ናጽነት ትግራይን ብሓባር ብምኳንን ስዒቡ ድማ ብውድብ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ኣብ ጉዳይ ፖለቲካዊ ዋኒናት ትግራይ ኣመልኪቱ ዝወጸ ቅዋም ኣዝዩ መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ይርኸብ።

ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ውድብ ናጽነት ትግራይ ብሕባር ኣብ ዝወጽእዎ መግለጺ ቅድሚ ሐዚ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ሓሳባት፣ ኣሰራርሓታት፣ ሕግታትን ትካላትን ህላወ ህዝቢ ትግራይ ከውሑሱስ ይትረፍ ህዝቢ ከም ህዝቢ ክጠፍእ ኣንፃር ህላወ ህዝቢ ትግራይ ብሙሉእ ዓቕሞም ወፊሮም እዩም ዝበላ እተን ውድባት በዚ ምኽንያት ድማ ስርዓት ፌደራሊዝም ይኹን ንዕዑ ዘቖመ ሕገ መንግስቲ ከምኡ እውን ነቲ ስርዓት ዝሕልዉ ትካላት ኩሎም ብተግባር ምፍራሶም ዘብርሃ እንትኸውን ከም ውፅኢቱ ድማ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እውን ፈሪሱ ከምዝፈረሰ ገሊጸን።

እቲ ዝግበር ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ድማ ብእቲ ክሳብ ሐዚ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኣሰራርሓታን ሕጊታትን ዘይፍትሑ ሓዱሽ ሕቶታት ኣብ ትግራይ ተፈጢሮም እዮም ዝባላ እተን ውድባት ነዞም ሓደሽቲ ፖለቲካዊን ሕጋዊን ሕቶታት ብኣግባቡ ንምምላስ ዕውት ቃልሲ ንምክያድን ኣብ ትግራይ ስግግር መንግስቲ ክጣየሽ ከምዝግባእ ጸዊዐን።

ምእንቲ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ዝተሃነጸ ስርዓት ኣንጻር ህላውኡ ኣቅኒዑ እንከሎ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጆኖሳይድ ተኣዊጁ እናተፈጸመ እናሃለወን ህዝቢ ትግራይ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ባህጊ ወሊዱ ሰራዊት ወኒኑ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕቲ እናሰለጠ ኣብዝርኸበሉ ውድብ ህወሓት ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ኩነታት ” ሕገ መንግስቲ ዶ ፌደራሊዝም ዶ” እናበለ ንድሕሪት ይምልስ ከምዘሎ እተን ውድባት ወቂሰን።

ዋና ዓላማ ህዝባዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ምርግጋጽ ህላውኡን ምግሃድ ዲሞክራሲያዊትን ልኣካዊትን ሃገረ ትግራይ እምበር ከምቲ ህወሓት ዝብሎ ኣይዶሎጂያዊን ስርዓት ኢትዮጲያ ንምልዋጥን ዝካየድ ዘይሓላፍነታዊ ኲናት ኣይኾነን ዝበላ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ውድብ ናጽነት ትግራይን ህወሓት ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ውድቐት ከምዝገጠሞ ኣብሪሀን።

ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መድረክ ዲፕሎማሲ ረኺብዎ ዝነበረ ደገፍን ሓልዮትን ብሰንኪ ፖለቲካዊ ዕላማ ህወሓት ክቕህም ተጌሩ እዩ ብምባል ዝኸሰሳ እተን ውድባት እቲ ቃልሲ ድልየትን ምልኣተ ህዝቢ ዝውከለሉ ኣሰራርሓ ስለዘድልዮን፤ስርዓተ መንግስትና ምፍራሱ ስዒቡ ህላወና ንምውሓስ ናብ ህዝባዊ ቃልሲ ስለዝኣተና፣ ከም ህዝቢ ክንዓሞም ዝግበኣና ሓደሽቲ ኣጀንዳታትን ጠለባትን ዝተኸሰትሉ ብርኪ ስለዘለና፣ ነዚ ብርኪ ዝመርሕ ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማሲያዊን ሞራላዊን ብቕዓትን ቅቡልነትን ዘለዎ ኣካል ክህሉ ስለዝግባእን ካብ ውድባዊን ጉጅለኣዊን ረብሓ ንብሄራዊ ረብሓን ህላወን ቀዳምነት ዝህብን ንኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ትግራይ ዝሓቁፍን መሰጋገሪ መንግሰቲ ትግራይ ብህፁፅ ክጣየሽ ጸዊዖም።

ብካሊእ ወገን ድማ ቅድሚ ሓሙሸተ ወርሒ ጀሚሩ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ብዝተለኣኸ ሰነድ ከይተረፈ ኣብ ትግራይ ሱሙር ብሄራዊ ባይቶ ክጣየሽ ይጽውዕ ዝጸነሐ ውድብ ባይቶና ብወገኑ ውድብ ህወሓት ካብቲ ዝተመረጸሉ ክልላዊ ስልጣን ንላዕሊ ዘሎ ሰራዊት ክእዝዝ፣ ንትግራይ ወኪሉ ክደራደር፣ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ክገብር ብናይ ክልል ይኹን ብናይ ፌዴራል ሕገ መንግስቲ መሰረት ስልጣን የብሉን ዝበለ እንትኸውን ካብዚ ብተውሳኪ ኣብ ትግራይ ናይ ክልል እምበር ናይ ከባቢ መረፃ ከምዘይተካየደን ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ከመሓድር ዝኮነ ይኹን ሕጋዊ ሰረት ከምዘይብሉ ኣዘካኪሩ።

ህወሓት ልዕሊን ትሕቲን ናይ ክልል ስልጣናት ዘለው ክሕዝ ሕጋዊ መሰረት ስለዘይብሉን ሐዚ ድማ መረጻ ክካየድ ስለዘይኽእል ክሳብ ነቲ ህዝቢ ሕጋዊ ውድብ መፂኡ ዘመሓድሮ እቲ ህዝቢ ብሰናይ ፍቓዱ ዘመሓድሮ ክሓሪን ናይ ወረዳን ጣብያን ቤትምኽሪ ባዕሉ ኣብ ባይቶ ኮፍ ኢሉ ከጣይሽን ከንቲባታት ክሾምን ኣለዎ ዝብል ቅዋም ከምዘለዎ ውድብ ባይቶና ዘፍለጠ እንትኸን ልዕሊ ስልጣን ክልል ንዘለው ዋኒናት ድማ “ስሙር ብሄራዊ ባይቶ” ክጣየሽ ጸዊዑ።

ካብዚ ብተወሳኪ ቢሮኻ ዓፂኻ በይንኻ ምውሳን ደው ክብልን ብኣንፃሩ መፃኢ ትግራይ ዝንፅር ንኹሉ ዝሓቁፍ መድረኽ ክፍጠርን፤ ነቲ ትግራይ ገጢሙዋ ዘሎ ፈተና እዋኑ ዝሓለወ ብቑዕ መልሲ ንምሃብ ኣብ ምዕዋት ኲናት ትግራይ ቁልፊ ግደ ክፃወቱ ዝኽእሉ ኩሎም ኣካላት ፃውዒት ክግበረሎም ውድብ ባይቶና ዝጸወዐ እንትኸውን ካብዚ ብተወሳኪ ፖለቲካዊ ዓላማ እቲ ኲናት ተነፂሩ ትግራይን ተጋሩን ኣብ ዙርያ ቀንዲ ረብሓታት ትግራይ ናይ ዓላማ ሓድነት ክፍጠር ከምዝግባእ ጸዊዑ፡፡

ስለስቲኤን ውድባት ካብ መጋቢት 2013 ኣቖጻጽራ ትግራይ ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ስግግር መንግስቲን ሓባራዊ መድረኽን ክፍጠር እናጸወዓ ዝጸነሓ ዋላ እንትኸውነ መንግስቲ ትግራይ ነዚ ጻዊዒት ዝሃቦ ዓላዊ ምላሽ ክሳብ ሐዚ የለን።