ሓዱሽ ፍሉይ ልኡክ ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዴቪድ ሳተርፊልድ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝገይሽ ተሓቢሩ።

ሓዱሽ ፍሉይ ልኡክ ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዴቪድ ሳተርፊልድን ሓጋዚት ጻሓፊት ጉዳያት ኣፍሪካ ሞሊ ፒ ጉዳይ ኲናት ትግራይ ንምዝታይ ናብ ኢትዮጲያ ከምዝገሹ ተፈሊጡ።

ንፍሉይ ሉኡኽ ጀፌሪ ፌልትማን ተኪኡ ሓዱሽ ፍሉይ ልኡክ ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝኾነ ዴቪድ ሳተርፊልድን ሓጋዚት ጸሓፊት ጉዳያት ኣፍሪካ ሞሊ ፒ ኲናት ትግራይ ብዝተ ጠጠው ካብቅዕ፣  ደብዳብ ኣየርን ድሮንን ደብ ክብል፣ ፖለቲካዊ እስረኛታት ክፍትሑን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ክኣትው ዝክእለሉ መገዲ ንምዝታይ ናብ ኢትዮጲያ ከምርሑ እዮም።

እቶም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣሜርካ ፕሬዝደንት ኣሜርካ ጆ ባይደን ኣብ ቀረባ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጲያ ኣብይ ኣሕመድ ዝነበሮ ናይ ስልኪ ጻኒሒት ዝጠለቦም ነገራትን ንምክትታልን ኣብኦም ንምዝታይን ናብ ኢትዮጲያ ይመጹ ከምዘለው ዝተፈለጠ እንትኸውን መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ድብዳብ ጠጠው ከብል ድፍኢት ከምዝገብሩ ተፈሊጡ።

ክልቲኦም ሰበ ስልጣን ካብ ብቅድሚ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ሱዑድ ዓረብ ሱዳን ዕውደት የካይዱ ዘለው እንትኸውን ናይ መወዳእታ መዕረፊኦም ኢትዮጲያ እትኸውን መንግስቲ ኢትዮጲያ ትጻብኦ ጠጠው ከብልን ኣብ ዘተ ዝተመስረተ ተኲሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕነት ክፍጽም ከምዝደፉኡ ካብ ኣሜርካ ዝወጹ ሓበሬታት የርድኡ።