ኣብ ቀረባ እዋን ቅልውላው ኲናት ትግራይ ንምህዳእ ቶኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ከምዝኽእል ወኪል ኣሜሪካ ኣብ ሑቡራት ሃገራት ገሊፃ።

ኣብዘን ሒደት ሰሙናት ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ክህሉ ከም ዝኽእል ፤ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሑቡራት ሃገራት ሊንዳ ግሪንፊልድ ተዛሪባ።

እታ ኣምባሳደር ምስ ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዝነበረን ቃለመሕትት ፤ እታ ኣብ ኣፍሪካ ብምዕባለ ትሕምበብ ዝነበረት ኢትዮጵያ ሐዚ ኣብ ሓድሕዳዊ ኩናት ወዲቓ ምርኣያ ከም ዝሓዘነት ሓቢራ።

ኣብዘን ቁሩብ ሰሙናት ግን ብሓገዝ ልኡኻት ኣሜን ኣውሮጳን ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ክህሉ ከም ዝኽእል ገሊፃ።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሊንዳ ግሪንፊልድ ባይቶ ጸጥታ እቲ ውድብ ኣብ ዝተፀዑ ንትግራይ ዝምልከቱ ኣኼባታት ወጸዓ ህዝቢ ትግራይ ክቃልል ተሪረን ብሙሙጓት ዝፍለጣ እየን።

እንተኾነ ኣሜሪካ ከምሃገር ይኹን ሑቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ዝፍፅም ዘሎ ዕፅዋን ምፅናት ዘርእን የተሓሳስበና ኣሎ ካብ ዝብል ተደጋጋሚ መግለፂ ወፃኢ ናብ ጭቡጥ ስጉምቲ ዘይምእታው ብዙሓት ይነቕፍዎ።