ብሰንኪ ዕፅዋን ክባን ኩነታት ጥምየት ኣብ ትግራይ ኣብ ዝኸፈአ ብርኪ ከም ዝርከብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ።

ንዝሓለፉ ልዕሊ 8 ኣዋርሕ ዝኣተወ ቐረብ ኣፋውስን ካልኦት ሰብኣዊ ሓገዝን የለን ዝበለ ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶ/ር ሪኤ ኢሳያስ፣ ብመሰረት IPC (ዝተዋደደ ምደባ ደረጃ ምግቢ ውሕስና) ዝተብሃለ መዐቀኒ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም FAOን ትግራይ ኣብ IPC ብርኪ 5 ከምእትርከብ ኣብሪሁ።

ብምዃኑ እውን IPC 5 ማለት ላዕለዋይ ፀፍሒ ሕፅረት ውሕስና ምግቢ ማለት እንትትከዉን ኣብዚ እንተበፂሑ ጥምየት ከምህዝቢ ተራእዩ ከምዘሎ ዘመላክት ሙዃኑ እዉን ገሊፁ።

ሐዚ ብዘሎ ጭቡጥ መረዳእታ ኣብ ትግራይ 50 ወረዳታት ኣብ IPC 5 ይርከባ። ኣብዘን 50 ወረዳታት ኣብ መዓልቲ ካብ 10ሽሕ ህዝቢ ልዕሊ 2 ሰብ ይመውት። ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዝዕድሚኦም ህፃናት ድማ ልዕሊ 4 ህፃናት ካብ 10 ሽሕ ህፃናት ኣብ መዓልቲ ይሞቱ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ብመሰረት ዓለምለካዊ መቀዐኒ ኣብ ሓደ ማሕበረሰብ ልዕሊ 3 ሚኢታዊ ጉዱድ ሕፅረት ምግቢ እንተተራእይዋ ብኣልማሚት ዕደላ ምግቢ የድልዮ ይብል ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ግና ኩሉ ግዘ ልዕሊ 3 ሚኢታዊ እዮ ። እቲ ዝዓበየ ድማ ልዕሊ 4.7 ሚኢታዊ ተመዝጊቡ ኣሎ።ኣብ መጥበዉትን ኣዴታትን ድማ 78 ሚኢታዊ እዩ።

እዚ ድማ ኣብ ዝቕፅል ወለዶ ትግራይ
ስነ-ኣእምራውን ኣካላውን ፅዕንቶ ዝፈጥር ከምዝኾነ እውን ኣረዲኡ።