ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብ ስራሕ ጥምየት ንምብዳህ ሕብረተሰብ ኣብ መረብኡ ኣሕምልቲ ብምልማዕ ዓፀቦ ንምቅላል ክሰርሕ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ቢሮ ልምዓትን ገጠርን ሕርሻን ትግራይ ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጲያን ተሓባበርቱን ኣብ ትግራይ ዘንገስዎ ሰብ ሰራሕ ጥምየት ንምቅላል ሕብረተሰብ ኣብ ሕድሕድ መረብኡ ቀለልቲ ኣቕሑት ብምጥቃም ኣብ ሓፂር እዋን ክበፅሑ ኣብ ዝኽእሉ ኣሕምልቲን ካልኦት ተኽልታትን ከልምዕ ከምዝኽእል ዘርኢ ምርኢት ተኸላ ከምዘካየደ ቴሌቭዥን ትግራይ ሓቢሩ።

እኹል ዝኾነ ናይ መልምዒ ቦታ ዘይብሎም ሕብረተሰብ እዉን ኣብ ዉሽጢ ግምት ዘእተወ ምህዞ እንትኾን ካብ ጣዉላ ዝተሰረሐ ኣብ ዉሽጢ ሓደ ወርሒ ክባፅሕ ዝኽእል ኣሕምልትን ካልኦት ኣትክልትን ብምልማዕ እቲ ምህዞ ኩሉ በቢገዝኡ ከተግብሮ ክብሉ ድማ እቶም ሰብ ሙያ ሕርሻ ተዛሪቦም።

ካብቶም ኣሕምልትን ተኽልታትን ወፃኢ እዉን ጉንዲ በለስ ንምግብነት ብኸመይ መንገዲ ክዉዕል ከምዝግባእ መብራህርሂ ዝተዉሃበ እንትኾን እቲ ገልዒ ተሓፂቡ ድሕሪ እቲ ዕሾኽ ምልቃቑ ብዝተገነየ ሕሩጭ ተለዊሱ ንሃንዛ ; ንእንጀራ; ንጁስን ማርማራታን ክዉዕል ዝኽእል ዓይነት ምግቢ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ቦታ ዝተረኸበ ሓላፊ ቤሮ ሕርሻ ልምዓትን ገጠርን ትግራይ ዶ/ር ኣትንኩት መዝገቦ ሕብረተሰብ ነቲ ብፀላእቲ ዝተበየነሉ ጥምየት ኢድ ከይሃበ ኣብ ዓርሰ ምርኮሳ ብምትእምማን እቲ ዝተፈጠረ ሃዋህዉ ናብ ጥቕሚን ተግባርን ብምእታዉ ዓርሱ ከድሕን ከምዝግባእ ገሊፁ።

ኣብ ትግራይ ዝቦቕሉ ኣትክልትን ኣሕምልትን ቅድሚ ሐዚ ቆላሕታ ዘይነበሮም ሐዚ ግን ሰብ ሙያ ብዝግባእ ጠመተ ሂቦም ዓፀቦ ጥምየት ዘቃልሉን ንጥዕና ዝሕግዙን ኣብ ዝኽእሉ ኣትክልታት ንምግብነት ብምዉዓል መጠን እቲ ጥሜት ክቕንስ ንገብር ኣለና ክብሉ ድማ ኣብቲ ቦታ ዝተረኸቡ ሰብ ሙያ እቲ ዓዉዲ እዮም።

ትግራይ ብምግቢ ዓርሳ ንኽትክእል ኣድላዪ ዝበሃል ኩሉ ንምግባር ይስራሕ ምህላዉ ድሕሪ ምግላፅ ኣብቲ ምርኢት ተኸላ ዝተረኸቡ ተሳተፍቲ ብወገኖም እኹል ኣስተምህሮ ከምዝረኸቡን ናብ ተግባር ከምዝኣትዉን ተዛሪቦም።