ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጲያ ኣብዪ ኣሕመድ ዝተዉሃቦ ናይ ሓሰን ሽልማት ከምዝተመንጠለ ተገሊፁ።

ኣብ ጀርመን ግዝኣት ሄሰን ናይ ሰላምን ህዉከትን ምርምር ፋዉንዴሽን (PRIF) ንኣብዪ ኣሕመድ ዝሃብክዎ ናይ ሄሰን ሽልማት መሊሰ መንጢለዮ ኣለኹ ክብል ከምዝገለፀ Independent Voice ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ኣቃሊዑ።

ኣብ ሃገረ ጀርመን ናይ ሄሰን ፌደራል ግዝኣት ክርስቲያን ዲሞክራቲክ ፓርቲ ድሕረ ገፅ ኣብ ዝወፀ ፀብፃብ ኣብዪ ኣሕመድ እቲ ሽልማት ንምንታይ ከምዝተዉሃቦን ብኸመይ ከምዝተመንጠለን እንትገልፅ ; ኣብዪ ኣሕመድ ኣብታ ሃገር ሰላም ከስፍን እዩ ተባሂሉ ብ 2019 ዓ/ም/ፈ ዝተውሃቦ ሽልማት ክኸውን ከሎ እንተኾነ ዓለም ብኮረና ቫይረስ ተወጢራ ኣብ ትርከበሉ ወቕቲ ንሱ ግን ኣብ ትግራይ ሕድሕዳዊ ኩናት ከፊቱ ስለዝርከብ እዩ ተባሂሉ።

እቲ ኣብዪ ኣሕመድ ዝፈጠሮ ኩናት እዉን ብወታደራቱ ኣብ ትግራይ መስካሕከሕቲ ግፍዕታት ከምዝተፈፀሙ ቡዙሓት ሓበሬታታት ምዉፆኦምን ከምኒ ደቂ ኣነስትዮን ኣዴታትን ብጅምላ ምዕማፅ፣ ኣብ ሰለማዉያን ዘነፃፀረ ቅትለትን ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ወገናት ምፍንቓሎምን ተፈሊጡ እዩ ይብል እቲ ፀብፃብ።

ኣብ ዓለም ካብ ቀረባ እዋን ኣትሒዙ ካብ ዝተኸሰቱ ካብቶም ዝኸፍኡ ደም መቃበእቲ ዝኾኑ ኩናታት እቶም ብበዝሒ ካብዝተጎድኡ ቁፅሪ ዉሽጢ ትግራይ ሓንቲ ከምዝኾነት እዉን ኣብቲ ፀብፃብ ተሓቢሩ።

ካልእ እቲ ፀብፃብ ኣብ ቀረባ እዋን ቱርኪ ንኢትዮጲያ ዝተዓጠቓ ነፈርቲ ኩናት ከምዝሸጠት ጠቒሱ ኣሸናፊ ሰላም ተባሂሉ ዝተገመተ ኣብዪ ኣሕመድ እቲ ህዉከት ክበኣኣስ ካብ ዘስመዖ ኣፀያፊ መደረ ብዝዘለለ ኣብ ልዕሊ ሰለማዉያን ዘዉርድ ዘሎ ግፍዒ ብዋናነት ኢዱ ከምዘለዎን ተሓታቲ ምዃኑን እዩ እቲ ፀብፃብ ገሊፁ።

ወሃብቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ሰራሕተኛታት ሑቡራት ሃገራት ሓዊሱ ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ተጋሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብጅምላ ተኣሲሮም ምህላዎምን ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ሓደ ሙሉእ ቢሄር ተዓጊቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ተኸልኪሉ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል እናተፈፀሞ ይርከብ ክብል እቲ ፀብፃብ ኣረዲኡ።

ኣብ መወዳእታ ነዚ ዕግርግርን ህዉከትን ከም ሞተር ኮይኑ ንዝመርሕ ዘሎ ኣብዪ ኣሕመድ ሽልማት ሰላም ክምዘይግበኦን እቲ ሽልማት ንዓለም ለኸ ሰላም ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣካላት ዝወሃብ ምዃኑ ተገሊፁ።