ኣብይ ኣሕመድ ምስ ሓይልታት ምኽልኻል ትግራይ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕነት ክጅምር ከምዝደሊ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ትማሊ ሰሉስ ምስ ተወከልቲ   ኮሚቴ ህዝባዊ ጉዳያት ኢትዮጲያ ኣሜርካ ኣብ ዝነበሮ ዘተ መንግስቲ ኢትዮጲያ ተኩሲ ዶብ ናይ ምባል ስምምዕነትን ዘተ ክጅምር ድሌት ከም ዘለዎ ከምዝተዛረበ ኣሶሼትድ ፕረስ ኣብቲ ኣኬባ ዝተሳተፈ ሰብ ጸሪሑ ጸብጺቡ።

ኣቦ ወንበር ኮሚቴ ህዝባዊ ጉዳያት ኢትዮጲያ ኣሜርካ መስፍን ተገኑ ኣብቲ ሓሙሽተ ሰዓት ዝወደአ ኣኬባ እቲ ቀደማይ ሚኒስተር እቲ ኲናት ጠጠው ንምባል ዘለዎ ልዑል ድሌት ከምዝገለጸን ምስ ሓይልታት ምኽልኻል ትግራይ ዘተ ከምዝህልውን እቲ ዘተ ምክንያታውነት ዝተመልኦን ናይታ ዓዲ ህልውና ዘረጋግጽ ከምዝኸውን ከምዝተዛረበ ንኣሶሸይትድ ፕረስ ተዛሪቡ።

እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጲያ ብተደጋጋሚ ናብ ተግባር ዘይሸርፉ ናይ ሰላም ጻዊዒታትን ኲናት ከምዘይደሊን እንተተዛረበ እውን ሐዚ እውን ትግራይ ሙሉእ ንሙሉእ ብምዕጻውን መሰረታዊ ኣገልግሎት ብምቁራጽ ተደጋጋሚ ደብድብ ድሮን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ይፍጽም ዘሎ እንትኸውን ብኣንፈት ምዕራብ ደቡብ ትግራይ ከሙኡ እውን ብኣንፈት ዓፋር ኲናትን ብተደጋጋሚ ይኸፍት ከምዘሎ ይፍለጥ።

ብተመሳሳሊ መንግስቲ ኤርትራ ብኣንፈት ምዕራብ ትግራይ ፍሉይ ሓይሊን ምልሻን ኣምሓራን ብምስልጣን ብኣንፈት ዓፋር እውን ብተመሳሳሊ ፍሉይ ሓይሊ ዓፋር እናሰልጠነ ኲናት ይኸፍት ዘሎ እንትኸውን  እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ዝለዓል ዘሎ ተኹሲ ደብ ናይ ምባል ሓሳብ ተግባራዊነቱ ኣዝዩ ትሑት ከምዝኾነ ተዓዘብቲ ይዛረቡ።