መንግስቲ ኣሜርካ ኣምባሰደር ኣሜርካ ኣብ ኢትዮጲያ ከምዝቐራ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኣሜርካ ኣምባሳደር ኣሜርካ ኣብ ኢትዮጲያ ጊታ ፓሲ ካሊእ ስራሕቲ ንምስራሕ ካብ ስልጣና ከም እትወርድ ድሕሪ ምፍላጣ ብግዚያውነት ትሬሲ ኣን ጃኮብሰን ኣምባሳደር ተጌራ ከምዝተሸመት ኣሓቢሩ።

ኣምባሳደር ጃኮብሶን ኣምባሳደር ፓሲ ጀሚራቶ ዝነበረት እቲ ኩናት ደው ክብል፣ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከብቅዕን ሰብኣዊ ሓገዝ ክፍቐድን ብዝምልከት እትሰርሖም ዝነበረት ስራሕቲ ብምልኦት ተኪኣ ከም ትቅጽለሉ መንግስቲ ኣሜርካ ኣፍሊጡ።

ኣምባሳደር ጃኮብሶን ቅድሚ ሐዚ ኣብ ኮሶቮ፣ታጃኪስታን፣ ቱርክመኒስታን ኣምባሳደርን ኮይና ዝሰረሐት እንትኸውን ኣብ ዝቅጽሊ ኣዋርሕ ግዚያዊ ኣምባሳደር ኣሜርካ ኣብ ኢትዮጲያ ኮይና ክትቅጽል እያ።

መንግስቲ ኣሜርካ ኣብ ቀረባ እውን ኢትዮጲያ ዝምልከት ዝነበሩ ሰበ ስልጣናት እናለወጠ ዝርኸብ እንትኸውን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ፍሉይ ሉእክ ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ጀፈሪ ፌልት ማን እውን ከምዝተለወጠ ዝዝከር እዩ።