መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ምእዋጁ ሲዒቡ ሚድያታት ዝተፈላለየ ስልትታ ብምጥቃም ከምዝዓፈነ ማዕከን ዜና ኣፍሪካን ኣርጉዩመንት ጸብጺቡ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኣዎጆ ኲናት ስዒቡ ዝፈጸሞም ወንጀላትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከይወጹ ዝተፈላለዩ ስልትታት ተጠቂሙ ሚድያታት ከምዝዓፈነ ኣፍሪካ ኣርጊመት ኣብ ዝውጽኦ ስፊሕ ትንታነ ጸብጺቡ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ እቲ ኲናት ድሕሪ ምእዋጁ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ናይ ስልኪን ካልኦት መራከቢ መረባት ኩሎም  ክቋረጽ ምግባሩ ዘዘካኸረ ኣፍሪካን ኣርጊመንት ናይ ደገ ጋዜጠኛታብ ሚድያታት ከይኣትው ገድብ ከምዘቀመጠን ናይ ኒው ዮርክ ታይምስ ጋዜጠኛ ሲሞን ማርክ ካብ ኢትዮጲያ ከምዝሰጎገ ኣብሪሁ።

ካብዚ ብተውሳኪ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝፈጸሞም ወንጀላትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንምሕባእ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ከምዝተጠቀመ ጸብጺቡ። መንግስቲ ኢትዮጲያ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረክ ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ብምጥቃም ዓለም ለኻዊ ትካላትን ምዕራብውያን ንምክሳስ ዝተጠቀመሉ እንትኸውን እዞም ኣካላት ንትግራይ ይሕግዙ ከምዘለው ብምግባር ሰፋሕቲ ውንጀላታት ከቅርብ ጸኒሑ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ እዚ ተረኽ ብምጥቃም ዓበይቲ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ኣመራርሓን ካብ ኢትዮጲያ ዝሰጎገ እንትኸውን ኣብ ልዕሊ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ጽዕንቶ ንምፍጣር ተጠቂሙሉ እዩ።

ብተመሳሳሊ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኩናት ዘይድግፉ ውልቀ ሰባት ወንጀለኛታት ናይ ምግባር ወፍሪ ተከቲሉ እዩ ዝበለ ኣፍሪካን ኣርጊመንት  ሓላፊ ጉዳያ ወጻኢ ኣሜርካ ኣንተንዮ ብሊንከን ሓዊሱ ብዙሓት ኣካላት ተለኣኣክቲ ህወሓት ብምባል ግልጺ ፕሮፖጋንዳ ዝሰረሐ እንትኸውን ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም እውን ግልጺ ወፍሪ ከምዝፈነወ ዝፍለጥ እዩ ክብል ኣፍሪካብ ኣርጊመንት ጸብጺቡ።