ፕረዚደንት ኢሳይያስ “እኩባት ኣህባይ ” ኢሉ ክገልፆም ምስ ዝፀንሐ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣኼባ ንምስታፍ ልኡኽ ሰዲዱ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ድሕሪ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝወሰደጨ ግዜ፡ ንመጀመርታ እዋን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ላዕለዋይ ልኡኽ ከሳትፍ ምሽብሻብ ይገብር ከም ዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኤርትራ ነቲ ቅድሚ 13 ዓመታት ኣብ ሶማልያ ዝተመስረተ ብግብረ ራዕዲ ዝተመዝገበ ጉጅለ ተዕጥቕ ብምንባራ ሕብረት ኣፍሪቃ ስጉምቲ ክውሰድ ምስ ወሰነ ዩ ካብቲ ሕበረት ንርእሳ ዘጓነየት።

ብድሕሪኡ ኣብ ዝነበሩ እዋናት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ነቲ ሕብረት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ከቆናጽቦ ዝጸንሐ ኮይኑ ንመራሕቲ ኣፍሪቃ “እኩባት ኣህባይ” ብምባል ከዋርዶም ዝተሰምዐ ውን ሽዑ እዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብሰንኪ እቲ ኣብ የመን፣ ሶማልያ፣ ጁቡቲ፣ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ዝገብሮ ዝነበረ ኩናት ሓዊ ናይ ምብራዕ ወልፊ ንቑጠብ ስጉምቲ ክውሰደሉ ዝወሰኑ ናይ ሽዑ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ካብቲ ናይ ሐዚ ብብዙሕ መገዲ ዝሓሸ መትከል ዝነበሮም እዮም።

ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ጸለውቲ መራሕቲ ምስ ኣሜሪካ ብመዳይ ፀጥታ ፤ ምስ ቻይና ከኣ ብመዳይ ወፍሪ ኢንቨስትመንት ተመሓዝዮም ፀጥታን ልምዓትን ኣፍሪቃ ኣሰላልፋ ምብራቕን ምዕራብን ዓለም ኣሳንዩ ክቕጽል ዝገበሩ ነይሮም።

ብጀካ እዚ ዝማዕበላ ሃገራት ኣብ ልዕሊ እተን ዘይማዕበላ ዘውርድኦ ማህሰይቲ ብኽለት ነባሪ ኣየር ካሕሳ ክኸፍላ ፤ ኣፍሪቃዊ መልክዕ ዝሓዘ ስርዓተ-ልምዓትን ምሕደራን ክስፋሕፋሕ ለበገስታት ዘቐመጡ እዮም።

ኣብቲ እዋን ቀላሲት ናይቲ ሕብረት ዝነበረት ኢትዮጵያ ብመዳይ ልምዓታዊ ምዕባለን ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ዓቀብቲ ሰላም ብምውፋር ፀጥታ ካለኦት ሃገራት ብምኽባርን ኣብ ዓለም ዝሓሸ ኣኽብሮት ዝነበራ ሃገር ምንባራ ይዝከር።

ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ትምራሕ ኤርትራ በንጻሩ ብሰንኪ ውልቀመላኺ መራሒኣ ካብ ኣህጉራውያን ዓለምለኻውያንን ትካላት ተነጺላ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ ዓቕሚ ከም ዝተዳኸመ ይፍለጥ።

ሓደ ካብቶም ጎበለላት ናይቲ ሕብረት ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊ ብምንባሩ ግን ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ዘሕርቕ ጊዜ ዩ ዝነበረ።

ኣብቲ እዋን ተነሓናሕቲ ዝነበሩ መራሒ ሊብያ ዝነበረ መሓመድ ጋዳፊን ቀዳማይ ሚንስተር መለስ ዜናዊን ዝርከቡዎም መራሕቲ ህይወቶም ምስ ሓለፈ ግን ቁመና ናይቲ ሕብረት ወዲቑ በቢወርሑ ክበሃል ብዝኽእል መገዲ ኣፍሪቃ ዕልዋ መንግስቲ ዝፍጸመላ ኣህጉር ኮይና ማእከል ቅልውላው ፀጥታ ኮይና ትርከብ።

ጎልላት ናይቲ ሕብረት ዝነበረት ኢትዮጵያ ውን ምስ ኤርትራን ኣምሓራን ኮይና ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብትፍጽሞ ዘላ ምጽናት ዓሌት ፤ ህዝቢ ዓለም ምስ ገሃነም የመሳስላ ኣሎ።

ነዚ ጨፍጫፍ ደው ከብል ዘይከኣለ ሕብረት ኣፍሪቃ እምበኣር ዩ ካብ 5 ለካቲት 2022 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ከካይድ ይዳሎ ዘሎ።

ካብ ዕለት 5 ክሳብ 6 ለካቲት 2022 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤትጽሕፈቱ፡ ዝቃናዕ መበል 35 ስሩዕ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ (AU) ብዙሓት መራሕቲ ድሮ ነቂሎም ናብታ ከተማ ይኣትዉ ኣለዉ።

ሃንዳሲ ሓድሕዳዊ ኩናት ኢትዮጵያ ዝኾነ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ውን ኣብዚ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ናይ ኣህባይ እኩባት ኢሉ ዝጸረፎ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪካ ዝሳተፉ ልኡኻት መልሚሉ ከም ዘዳለወ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።