ምንቅስቓስ ማሕበረ ቅዱሳንን መጋበርያታቱን ካብ ትግራይ ምውጋዶም ክተባባዕ ዝግብኦ ስጉምቲ ከም ዝኾነ ተገሊፁ።

ደርጊ ብ1983 ዓ/ም ምስተሸነፈ ፣ እቲ ወታደር ደርጊ ዝነበረ ሓይሊ በዝሒ ናብ ዋልድባ ገዳም ናብ ደብረሊባኖስ ገዳም ፣ ናብ ዝዋይ ሃቅ ገዳም ኣትዩ እዩ መንኲሱ ፣ ገሊኦም ዲያቆናት ገሊኦም ካህናት መሲሉ ብጉልባብ ሃይማኖት ፖለቲካዊ ቃልሱ ከም ዘቐጸለ እዮም ብዙሓት ሊቃውንቲ ዝምስክሩ ።

ማሕበረ ቅርሱሳን ብ1984 ዓ/ም ኣብላቴ መሰልጠኒ ወታደር ካምፕ ዝነበሩን ሙሩኻት ወታደራት ደርጊ ነበር ፣ ወታደር ነበር ዲያቆን ዳኒኤል ክብረት ፣ ወታደር ደርጊ ጋዜጠኛ ኢሳት ሲሳይ ኣጌና ፣ ወታደር ደርጊ ጋዜጠኛ ኢሳት ኣበበ ገላው ዝርከቡዎም ዕሉላት ፖለቲከኛታት
ኣብ ዝዋይ ባህታውያን መሲሎም ከም ዝመስረቱዎ እውን ይገልጹ።

ማሕበረ ቅርሱሳን መንፈሳዊ ማሕበር ዝመስሎ ዓሻ ትግራዋይ ብኣባልነት እናተሓቑፈ ምስከደ ዕላማ ናይቲ ማሕበር ኣብ ትግራይ ጥንታውያን መፅሓፍቲ ምስራቕ፣ ክብርን ታሪኽን ትግራይ ኣብ ምድምሳስ ፣ ቅዱሳን ተጋሩ ገድሎም ፣ ተኣምሮም ፣ ታሪኾም ከይፍለጥ ምድምሳስ ፣ ናብ መንፈሳዊ ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሃነፁ ገዳማት በፃሕቲ ወፃእተኛታ ከይበፅሑ ምኽልካል ታሪኽ ቤተክርስቲያን ትግራይ ኣብ ምዕናው ወይ ከኣ ናብ ሸዋዊ ቅኒት ኣብ ምቕያር ልዑል ተራ ዝነበሮ ዩ ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ህዝቢ ትግራይ ካብ ገጸ መሬት ክጠፍእ ፤ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ጎኒ ሰራዊቱ ኮይኑ ነቲ ህልቂት ከድግፎ ብማዕኸናት ዜና ኣዊጁ፣ ኣክሱም ብደም ንጹሃት ደቃ ክትሕጸብ ከኣ ኣብ ጉልላት ታሕጓስ ከም ዘሎን ካብኡ ክወርድ ከም ዘይደልን ተዛሪቡ፣ ፖትርያርክ ብጹእ ወቅዱስ ኣባ ማትያስ ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ከይኹኑኑ ዓፊኑ ሒዙ፣ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈጸመ ህልቂት መሪሑ፣ ከምቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዓሌት ኣቦርጂናውያን ሓደ ሰብ ክሳብ ዝተርፍ ዝተጨፍጨፉ ኣብ ትግራይ ውን ከምኡ ክግበር ሰቢኹ፣ ኣብ ግንባራት ታቦት ኣምሪሑ ውግእ ባሪኹ፣ ኣብ ኩለን ንሱ ዝመርሐን ኣብያተክርስትያናት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ካህናትን መነኮሳትን ዝርከቡዎም ተጋሩ ገፊፉ ኣሲሩ፣ ኣሎ ዝበሃል ጭካነታት ይፍጽም ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

ካብዚ ብምብጋስ ነቲ ህልቂት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምፍጻም ቀላሳይ ዝነበረ ማህበረ ቅዱሳንን ነዚ ዝድግፉ ዝነበሩ መራሕቲ ሸዋዊት ሃይማኖትን ናብ ትግራይ ተወር ከይብሉ መራሕቲ ሃይማኖት ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ትግራይ ምስ ኣካላት መንግስቲ ምውሳኖም ልዑል ናእዳ ይቐርበሉ ኣሎ።