ስርዓት ኢትዮጲያ ኣብ ትግራይ ንዝፈጸሞም ገበናት ኲናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ክሲ ተመስሪቱሉ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንዝፈጸሞም ገበናት ኲናትን ግህስት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ኮሙሽን መሰል ሰብኣውነትን ህዝቢታት ኣፍሪካ ክሲ ተመስሪትዎ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ብሓባር ምስ ሰራዊት ኤርትራ ብምዃን ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዘነጻጸረ ብርክት ዝበሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ገበን ኲናት፣ ጾታዊ ዓመጽን ከሙኡ እውን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊነት ዝፍጸሙ ገበናት ዝፈጸመ እንትኸውን ነዚ ገበን ብዝምልከት legal action worldwide ብዝተበሃለ ዘይመትረፋይ ትካል ክሲ ከምዝተመስረቶ ዘጋርድያን ጸብጺቡ።

እቲ ዘይመትራፋይ ትካል ብመንግስቲ ኢትዮጲያን ሰራዊት ኤርትራን ገበንን ኩናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝተፈጸመሎም ሰለማዊያን ተጋሩ ወኪሉ ብጠበቃታቱ ኣቢሉ ኣብ ኮሙሽን መሰላት ሰብኣዊነትን ህዝብታትን ኣፍሪካ ክሲ ዝመስረተ እንትኸውን እቶም ዝቀረቡ ክስታት ገበን ኲናትን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊነት ዝፍጸሙ ገበናት ክኾኑ ከምዝክእሉ ዳይሬክተር legal action worldwide ኣንቶንያ ሙልቬ ገሊጻ።

ኮሙሽን መሰላት ሰብኣውነትን ህዝብታትን ኣፍሪካ ኣብ ጎኒ ግዳያት እቲ ኲናት ጠጠው ናይ ምባል ፉልይ ዕድል ኣለዎ ዝበለት ኣንቶንያ ሙልቬ እቲ ኮሙሽን ቅትለት ሰለማዊያን ሰባት ኣብ ትግራይ ጠጠው ንክብልን መንግስቲ ኢትዮጲያ ተሓታቲ ክገብርን ህጹጽ ስጉምቲ ክወስድ ፍሉይ ተክእሎ ከምዘለዎ ኣብሪሃ።

እቲ ክሲ ኣብ ምስክርነት ግዳይ እቶም ገበናት ዝኮኑ ተጋሩን ናይ ዓይኒ መሰካክርን ዝተመስረተ እንትኸውን ዘጋርድያን ዝረኣዮ ናይ ጽሑፍ ምስክርነት ሰራዊት ኢትዮጲያን ኤርትራን ኣብ ሽረ ሰለማዊያብ ሰባት ከምዝቀተሉን ትሕቲ ዕድመ ዕሸላት ሓዊሱ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝደፈሩን ዝዝርዝር እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጲያን ኤርታራን ኣብ ትግራይ ብርኽት ዝበሉ ገበናት ኣብ ልዕሊ ሰለማዊያን ሰባት ከምዝፈጸሙ ዝተፈላለዩ ማዕኸናት ሚድያ ዓለም ዝጸብጸባ እንትኸውን ሓባራዊ ምጽራይ ኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕብራት ሃገራትን ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ዝምወል ኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጲያ ከይትውረፈ ዘረጋገጾ ሓቂ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ተጋሩ ብርኽት ዝበሉ ገበናትን ኲናትን ጆኖሳይድን ኣዝዩ መስካክሕኽሒ ብዝኾነ ኣግባብ ዝፈጸሙ እንትኸውን ነዚ ገበን ንምጽራይ ኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕብራት ሃገራት በይናዊ ነጻን ዘይሻርዊን ምጽራይ ንምግባር ምውሳኑ ዝዝከር እዩ።