ኣብ ክልል ዓፋር ብዘሎ ህዉከት ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምእታው ከምዝተፀገመ ሕብረት ኣውሮፓ ኣፍሊጡ።

ሕብረት ኣዉሮፓ ኣብ ዘዉፅኦ መፅናዕቲ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጲያ – ዓፋር በቢጊዚኡ ዝጋደድ ዘሎ ቅልዉላዉ ድሌት ሰብኣዊ ሓገዝን ናብ ጎረቤት ትግራይ ዝግበር ርዳእታን ይኽልከል ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተፈጠረ ኩናት ልዕሊ 200 ሽሕ ዜጋታት ምፍንቓሎም ተወከልቲ ሕብረት ኣዉሮፓ ከምዘረጋገፀን እዚኣቶም ድማ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝጠልቡ እዩ እቲ ፀብፃብ ዝዛረብ።

ኣብ ክልል ዓፋር ኣመቺ ኣብ ዝኾነ ቦታ ጥራሕ ዝርከቡ ፅጉማት ወገናት ከባቢ 40 ሽሕ ዝኾኑ ኣብ ቀረባ ሓገዝ ምግቢ ከምዝረኸቡን ልዕሊ 420 ሽሕ ዝኾኑ ድማ ድሕሪ ፍርቂ ርዳእታ ከይረኸቡ ዝፀንሑ ምህላዎም እቲ ፀብፃብ ሕብረት ኣዉሮፓ ኣረጋጊፁ።

ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ብ ሰመራ – ኣብዓላ – መቐለ እንትኸዉን በቲ ኣብ ዓፋር ዝፍጠር ዘሎ ህዉከት ክሕለፍ ከምዘይከኣለን ከምዝተኣገደን ተገሊፁ።

ተወከልቲ ሕብረት ኣዉሮፓን ተሓጋገዝቶምን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ሽረ ዘለዉ ስደተኛታት በቲ ዘሎ ሕፅረት ነዳዲ ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ንምብፃሕ ከምዝተፀገሙ ወሲኹ እቲ ፀብፃብ ይሕብር።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ትካል ምግቢ ዓለም ከምዝገለፆ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ወገናት ልዕሊ 80 ሚኢታዊ ዉሕስና ምግቢ ዘይብሎም ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ ኔሩ ይብል ፀብፃብ ሕብረት ኣዉሮፓ።

ነዚ ድማ ሑብራት መንግስታት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምኒ ምግቢ ; ፅሩይ ማይ ; ነዳዲን ናዉቲ ሕክምናን ንዝተፀገሙ ወገናት ንምብፃሕ ሙሉእ ድልዉነት ከርኢ ይሰርሑ ምህላዎም ኣብቲ ፀብፃብ ተኻቲቱ ይርከብ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ብሸነኽ ዓፋር በተለኣኣኽቱ ዕጡቓት ኣወል ኣርባን ሰራዊት ኤርትራን እቲ ቀጠና ዓፋር ማእከል ዕግርግር ንምግባርን ትግራይ ንምውራርን ይሰርሕ ከምዘሎ ይፍለጥ።