መንግስቲ ኣሜርካ ኣብ ኢትዮጲያ ንዝርከቡ ዜጋታቱ መጠንቀቕታ ሂቡ።

መንግስቲ ኣሜርካ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ንዝርከቡ ዜጋታቱ መጠንቀቕታ ዘይተረጋገዐ ፖለቲካዊን ወታደራዊን ኩነታት እታ ሃገር መሰረት ብምግባር መጠንቐቕታ ሂቡ።

ዲፓርትመንት ስቴት ኣሜርካ ኣብ ኢትዮጲያ ዘሎ ኩነታት እናቆልቖለ እንተኸይዱ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ንዝጸንሑ ዜጋታቱ ካብታ ሃገር ንምውጻእ ዝኮነ ይኹን ዓይነት ሓገዝ ክህበሉ ዝክእለሉ ኩነታት ከምዘይለ ኣፍሊጡ።

ሐዚ እውን ናብ ኢትዮጲያ ጉዕዞ ምግባር ውሑስ ኣይኾነን ዝበለ ዲፓርትመንት ስቴት ኣሜርካ ኣብ ኢትዮጲያ ንምጽናሕ ዝሓስቡ ዜጋታት ኣሜርካ ኤምባሲ ኣሜርካ ካብታ ዓዲ ለቂቆም ንክወጹ ሓገዝ ከምዘይገብር ኣጠንቂቁ።

ካብዚ ብተወሳኪ ሰበስልጣን መንግስቲ ኣሜርካ ኣብ ኢትዮጲያ ዝተኣስሩ ዜጋታት ኣሜርካ ክረክብ ከምዘይከኣለ ዝሓበረ እትኸውን ክሳብ ሐዚ ክልተ ተወለድቲ ትግራይ ዝኮኑ ኣሜርካውያን ተኣሲሮም ሃለዋቶም ክረክብ ከምዘይከኣለ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኣሜርካ ሐዚ እውን ብተዳጋጋሚ ዜጋታቱ ካብ ኢትዮጲያ ክወጹን ናብ ኢትዮጲያ ከይጓዓዙን ጻዊዒት እናገበረ ዝርኸብ እትኸውን  በቢግዚኡ እናቆልቆለ ዝርኸብ ጸጥታን ውሕስነት እታ ዓዲ ከም ምክንያት ጌሩ የቅርቦ ይርኸብ።