ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ማዕቀብ ክተነብር ከምእትኽእል ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ንዝፈጸመቶ ገበን ተሓታቲት ከይኮነት፣ ዕጽዋ ትግራይን መጥቃዕቲ ኣብ ተጋሩን ጠጠው ከይበለ ድቃስ ከም ዘይወስዶ ኣባል ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ብራድ ሼርማን ሓቢሩ።

ሼርማን HR6600 ዝተብሃለ መንግስቲ ኢትዮጵያ ማዕቀብ ንግበረሉ ዝሓትት እማመ ናብ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ከቕርብ ቆጸሮ ሒዙ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

እዚ እማመ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ንዝፈጸሞ ገበን ተሓታቲት ከይኮነ፣ ዕጽዋ ትግራይን መጥቃዕቲ ኣብ ተጋሩን ጠጠው ከይበለ ከም ዘይገድፎ ውን ገሊፁ።

ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ጽባሕ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ምይይጥ ክገብር መደብ ከም ዘለዎ ሓበሬታታት የመላኽቱ።

ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ብራድ ሼርማን ኤርትራ ወደባታ ንሰብኣዊ ረድኤት ክውዕሉ ዘይትፈቅድ እንተደኣ ኮይና ፤ መንግስቲ ኣሜሪካ ስጉምቲ ክወስድ ሓቲቱ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ሕቶ ናይቲ ኣባል ቤት ምኽሪ ተደሪኹ መግለጺ ዘውጸአ መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ፤ ይትረፍ ዶ ሎሚ ፤ ቀደም ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረ ዶባዊ ውግእ ውን ወደባተይ ንሰብኣዊ ረድኤት ከይውዕሉ ከልኪለ ኣይፈልጥን ዝብል መልሲ ሂቡ ነይሩ።