ህዝብታት ትግራይን ዓፋርን ብምድማይ ዕድመ ስልጣኖም ከናውሑ ዝደልዩ ሓይልታት ከምዘይሰምረሎም ኣባላት ሰራዊት ሓይልታት ፌደራሊስት ዓፋር ገሊፆም።

ታሪኻዊ ፀላኢ ህዝቢ ዓፋር ብልፅግናን ስዓብቱን እምበር ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ከምዘይኮነ ዝሓበሩ እቶም ኣባላት ሰራዊት፣ ህዝቢ ዓፋር ነዚ ብውነ ተገንዚቡ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ደጊፉ ክቓለስ ከምዘለዎ ንማዕኸን ዜና ድምፂ ወያነ ትግራይ ገሊፆም።

ሽርሒ ፀላእቲ ንምፍሻል ምስ ህዝባዊ ዕላማ ተሓንጊጡ ምእንተ ሃለዋትን ድሕንነትን ዝኳሻሕ ዘሎ ሰራዊት ትግራይ ተሰሊፎም ዝቃለሱ ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ፌደራሊስት ሓይልታት ዓፋር፣ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ብህዝቢ ዓፋር ተቐባልነት ዘለዎ ስርዓት ፌደራሊዝም ብምፍራስ ዝኽተልዎ ዘለዉ ኣሃዳዊ ስርዓት ህዝቢ ዓፋር ዝያዳ ተጉዳኢ ከምዝገበሮ ተጋዳላይ ኣሚን መሓመድ ዓሊ ገሊፁ።

ካልኦት ተጋደልቲ መሓመድ ከድር፣ ከድር መከላዝን መሓመድ ዓብዱን እውን ብተመሳሳሊ ህዝቢ ዓፋር ኣብ ባይታ ብዘይረአን ብዘይትግበርን ኣጉል ተስፋን ፕሮፖጋንዳ ሓሶትን ካብ ምትላሎም ብዝዘለለ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ሰላምን ልምዓትን ዝተመዝገቡ ለውጥታት ክስእን ከምዝተገበረ እዮም ወሲኾም ዘረድኡ።

ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ዓፋር ፈታዊኡን ፀላኢኡን ብዝግባእ ፈልዩ ኣብ ጐኒ ፌደራሊስት ሓይልታት ዓፋር ተሰሊፉ ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ዘይኮነስ ኣንፃር ካልኦት ፀላእቱ ንክቃለስ ፀዊዖም።