ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ጎድና ጎድኒ መኸተ ፀላእቲ ይካየድ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ዓቕምና ፀንቂቕና ልምዓት ክንክን ሃፍቲ ተፈጥሮን ዕቀባ ማይን ሓመድን እናሳለጥና ፀላእትና ብምምካት ዓወትና ክነቃላጥፎ ይግባእ ክብሉ ሓረስቶት ወረዳ ፅራእ ወምበርታ ገሊፆም፡፡

ሃፍትናን ንብረትናን ብፋሽሽታውያን ተዘሪፉን ዓንዩን እዩ ዝበሉ እቶም ሓረስቶት ሳላ ደቂና ሓራ ኮይንና ኢና ሐዚ እውን ዘሎ ክባን ዕፅዋን ብምፍንፃሕን ጠሊ ብምዕቃብን እቶትና ብምድንፋዕ ፀላእትና ክነሕፍሮም ይግባእ ኢሎም።

ትግራይ መልኣ ናብ ልምዓት ክትምለስን ፀላእትና ክሳብ ዝቕበሩን ደቂና ብምስላፍ ኩለመዳይ ደጀንና ኣጠናኺርና ክንቅፅለሉ ኢና ይብሉ እቶም ሓረስቶት፣ ኩሎም ስራሕቲና ኣካል መኸተ ብምግባር ሓረስታይ ትግራይ ዕቀባ ማይን ሓመድን ብምክያድን ጠሊ ብምዕቃብን እቶት ንምድንፋዕ ካብ ብሐዚኡ ምድላው ክግበር ከምዝግባእ ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ትግራይ ዶ/ር ኣትንኩት መዝገቦ ሓቢሩ ክብል ተሌቪዥን ትግራይ ኣቃሊሑ።

ክባን ዕፅዋን ንምፍንፃሕ ሓረስታይ ትግራይ ኣብ ምስላጥ ልምዓት መስኖን ዕቀባ ማይን ሓመድን ክነጥፍ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡