ቅርስታት ትግራይ ኣብ መርበባት ኢንተርኔት ዕዳጋ ንመሸጣ ከምዝቐረቡ ተገሊፁ።

ብርክት ዝበሉ ካብ ትግራይ ዝተዘመቱ ቅርሲታት ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ኣብ ናይ ዕዳጋ ድህረ ገጻት ሕሱር ብዝበሃል ዋጋ ይሽየጡ ከምዘለዉ ማዕኸን ዜና ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ካብዚኦም እቶም ዝበዝሑ ኢቤይ ኣብ ዝተባህለ ድህረ ገጽ ተዘርጊሖም ከምዘለው ተሓቢሩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዙሓት ቅርሲታት ናብ ዕዳጋ ምውጸኦም፡ ኣብ እዋን ኲናት ካብ ትግራይ ዝተሰረቑ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ዝለዓለ ግምት ተዋሂቡ ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ፡ ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ኣካላት ኣብ ማእከላት ሃይማኖት እስልምናን ክርስትናን ዕለማ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ዝፍለጥ እዩ።

ብተወሳኺ ጥንታዊ ቅርስታት ከምዝተዘረፉ እውን ተሓቢሩ ነይሩ።

ኣብዚ ዛዕባ ቢቢሲ ኒውስደይ ዘዘራረቦ ተመራማሪ ቋንቋ ታሪኽን ምሩቕ ዶከተር ዩኒቨርሲቲ ሃምቡርግን ሓጎስ ኣብርሃ ኣብ እዋን እቲ ኲናት “ካብ ብዙሓት ገዳማትን ኣብያተ ክርስትያናትን ትግራይ ቅርሲታት ከምዝተዘረፉ ኣረጋጊጸ እየ” ይብል።

ካብቶም ዝተዘረፉ ቅርሲታት ገሊኦም ጥንታውን ኣብ ካልእ ዘይርከቡን ከምዝኾኑ ዝገለጸ ዶ/ር ሓጎስ፡ እቶም ቅርሲታት ዝሽየጡሉ ዘለዉ ዋጋ ኣዝዩ ሕሳር ዝበሃል ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ኣብዚ እዋን ብኸመይ ተዘሚቶም ካብ ሃገር ክወጹ ከምዝኸኣሉ ምፍላጥ ኣጸጋሚኳ እንተኾነ፡ ብሱዳንን ኬንያን ኣቢሎም ወጺኦም ክኾኑ ከምዝኽእሉ እውን ግምቱ ኣቐሚጡ ኣሎ።

እቲ ትካል እውን ሰባት ነዞም ጥንታዊ ቅርሲታት ክሸጠሎም ምስሃብዎ ናብ ዕዳጋ ከምዘቕርቦም ኣብ መግለጺ እቶም ዝሸጦም ቅርሲታት ይሕብር።

ካብዚ ብተወሳኺ ባዕሉ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ካብ ዝኣከቦም፡ ወይ እውን ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ገዚኡ ኣብ ኢቤይ ከምዝሸጦም ሓቢሩ።