ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ተሪር ስጉምቲ ክትወስድ ከምእትኽእል ኣጠንቂቃ።

ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ: ምምሕዳር ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ስጉምቲ ክወስድ ስልጣን ዝፈቅድ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ቤት ምኽሪ ኣመሪካ፣ ኣሕሊፉዎ ዘሎ ውሳነ ‘ህድኣት፣ ሰላምን ዴሞክራሲን ንኢትዮጵያ’ ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ ሓሙሽተ ነጥቢታት ዝሓዘ ረቂቕ ሕጊ እዩ።

እቲ ረቂቕ ሕጊ ብቤት ምኽሪ ኣመሪካ እንተጸዲቁ፣ ምምሕዳር ኣሜሪካ፣ ውግእ ሕድ ሕድ ኢትዮጵያ ደው ክብል ስጉምትታት ክወስድ ፣ ስልጣን ዝህብ እዩ ተባሂሉ።

እቲ ብኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝቐረበ ረቂቕ ሕጊ ብክልቲኦም ባይቶታት ኣመሪካ (ብቤት ምኽሪን ብሴነትን) እንተደኣጸዲቑ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን መሻርክታን ክወስዶም ይኽእል ዝተብሃሉ 5 ነጥብታት ተዘርዚሮም ኣለዉ።

1ይ፣ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ንጉዳይ ዴሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ኢትዮጵያ ዝምልከት ትልሚ ሓንጺጹ፣ ፈጸምቲ ገበንን መጋደድቲ ቅርሕንቲ ዝሕተቱሉ መስርሕ ክዝርግሕ፣
2ይ፣ ፕረዚደንት ኣመሪካ፣ ነቶም ኣብታ ሃገር፣ ሃገራዊ ልዝብ ከይካየድን ውግእ ንከየብቅዕን ዝዕንቅፉ: ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንዝፈጸሙ:ብብልሽውና ዝጠልቀዩ ኣካላት ማዕቀብ ክገብረሎም፣

3ይ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ መጥቃዕቲ ክሳብ ጠጠው ዘብል፣ ሃገራዊ ልዝብ ክሳብ ዘሳልጥ፣ሰብኣዊ መሰላት ክሳብ ዘኽብር፣ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይ ዕንቅፋት ንክቀርብ ክሳብ ዝፈቅድን ተፈጺሞም ዝባሃሉ ገበናት ኹናት ክሳብ ዘጻሪን፣ ካብ ኣመሪካ ዝልገሰሉ ዝነበረ ናይ ድሕነት ደገፋት ንክቋረጽ፣
4ይ፣ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ውግእ ንከብቅዕ ክሳዕ ዝሕግዙን ሰብኣዊ መሰላት ክሳብ ዘኽብሩን፣ ካብ ባንኪ ዓለምን ዓለምለኸ ትካል ገንዘብን ንዝረኽብዎ ሓገዝ ገንዘብ ደው ንክብል መንግስቲ ኣመሪካ ተቓውሞ ከስምዕ፣
5ይ፣ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ገበን ኣንጻር ሰብኣዊነት፣ ገበን ኹናትን ጅምላዊ ህልቂትን ‘ተፈጺሙ ወይ ኣይተፈጸመን’ ናብ ዝብል መደምደምታ ንክበጽሕ እቲ ንድፊ ሕጊ ወሲኑ ኣሎ።

ብጀካ ዚ ኣብ ልዕሊ ገለ መንግስታዊ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ዝተወሰነ እገዳ፣ ናብ ትግባረ ገጹ ይሰጋገር ከምዘሎ፣ ሚንስትር ገንዘብ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ እዩ።

እቶም ዝውሰዱ ስጉምትታት፣ ህዝቢ ክፈልጦም ኣብ ሃገራዊን ፈደራላዊን መርበብ ሓበሬታ ናይታ ሃገር ተሓቲሞም ድሕሪ ምውጸኦም ካብ ትማሊ ረቡዕ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኾኑን ኣፍሊጡ።