ሰንሰለት ቃልሲ ዓርሰምሕደራ ህዝቢ ትግራይ ብምፅናዕ ንውሕስና ትግራይ ምርብራብ ከምዘድሊ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ገሊፁ።

ሰንሰለት ቃልሲ ዓርሰ-ምሕደራን ዓርሰ-ምርኮሳን ህዝቢ ትግራይ ብምፅናዕ ንዘላቒ ውሕስና ትግራይ ብፅንዓት ምርብራብ ከምዘድሊ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ሓቢሩ።

እቲ ቢሮ ንመበል 47 ግዜ ዝኽበር በዓል 11 ለካቲት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ ሰሙናዊ መግለፂ ኣብ ውሽጢ ትግራይን ወፃኢን ዝርከብ ትግራዋይን ፈታዊ ህዝቢ ትግራይን እንኳዕ ኣብፀሐኩም ብምባል ሃላዋት ተጋሩ ንምውሓስ ዝግበር ቃልሲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ፀዊዑ።

ህዝቢ ትግራይ ኩሎም ዓቕምታቱ ብምውዳድ ብፋሽስታውያን ወረርትን መላፍንቶምን ዝተፈረደሉ ክባን ዕፅዋን ንምስባር ሰሚሩ ይቃለስ ምህላው እውን እቲ መግለፂ ጠቒሱ።

ንውሕስና ህዝቢ ትግራይ ህይወቶም ዝኸፈሉ ሰማእታት ኩሎም ምዕራፋት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዘሰከምዎ ዕላማ ኣብ ሽትኡ ከብፅሕ ዝተግህ ዘሎ ወለዶ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ዝተነበረ ወፍሪ ጀኖሳይድ ንምብርዓን ኣብ ውሽጥን ደገን ተናቢቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ተኣናፋይ ፍሉይ መድረኽ ዝኽበር ዘሎ መበል 47 ዓመት በዓል 11 ለካቲት ህዝባዊ መኸተና ብሓድነት ብምብራኽ ሃለዋትና ንምውሓስ ዝተኻየደ ርብርብ ዳግም መሰል ዓርሰ-ውሳነ ንምግሃድ ተጠናኺሩ ክቕፅል ፀዊዑ።

ስጡም ምትእስሳር ደጀንን ግንባርን ብምፍጣር ፀጥታ ብምውሓስ ረብሓ ህዝቢ ንጎኒ ገዲፎም ውልቃዊ ረብሐኦም ዘቐደሙ ውሑዳት ነጋዶ ብምቅላስ ንህዝባዊ መኸተ ዝፃወር ቁጠባ ምህናፅ ከምዘድሊ እውን ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ገሊፁ።