ብወረርቲ ዝተዘረፈ መንነታዊን ታሪኻውን ሃይማኖታዊ ሓድግታት ትግራይ ናብ መረበቱ ክምለስ ክስራሕ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ፀዊዑ።

መንነታዊን ታሪኻውን ሃፍቲ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ብወረርቲ ሓይልታት ዝተዘረፈ ሃይማኖታዊ ሓድግታት ናብ መረበቱ ክምለስ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ክሰርሕ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምለኻዊ ረብሓ ዘለዎም ሓድግታት ናይ ምዕቃብ ግቡእ ከምዘለዎ ብምዝኽኻር ኣብ ልዕሊ እቶም ሃይማኖታዊ ሓድግታት ትግራይ ዘዕነውን ዝዘረፉን ስጉምቲ ክወስድ ፀዊዑ።

ትግራይ ሰረት ጥንታዊ ሃይማኖታዊን ታሪኻውን ኣምራት ብምዃን ስልጣነታታ ንዓለም ዘበርከተት ከምዝኾነት ዝሓበረ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ሃይማኖታዊ ናፅነት ብምኽባር ብኣብነተነት ከምትጥቀስ ገሊፁ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኻየደ መንነት ህዝቢ ትግራይ ምጥፋእ ዝዓለመ ወራር ኣብ ልዕሊ ትካላት ሃይማኖትን ሓድግታትን ትግራይ ከቢድ ዕንወት ከምዘብፀሐ ጠቒሱ።

እዞም ልፍንታዊ ወረርቲ ሓይልታት እቶም ሃይማኖታውን ታሪኻውን ሓድግታት ትግራይ ንምጥፋእ ከምኡ እውን ብምውናን ሰብ ታሪኽ ንምዃን ታሪኽ ትግራይ ምብራዝን ምጥፋእን ዓሊሞም ብስርዓታዊ ኣካይዳ ከምዝሰርሑ እቲ ጉባኤ ሓቢሩ።

ብብርኪ ዓለም ብታሪኻውነቶም ዝፍለጡ ገዳማትን መሳጊዳትን ብከቢድ ኣፅዋር ብምዕናው ሓለውቲ ቅርስታት ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ብምጭፍጫፍ ሃይማኖታዊ ቅርስታት ትግራይ ብምጉሓልን ብምቅፃልን ምፅናት ባህላዊን ሃይማኖታዊን ሓድግታት ከምዝተፈፀመ ኣረዲኡ።

እዞም ወረርቲ ዝጓሓልዎ ሃይማኖታዊ ቅርስታት ትግራይ ናብ ዕዳጋ ዓለም ቀሪቡ ክሽየጥ ብምዕዛቡ ከምዘቖጠዖ ዝሓበረ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝካየድ ዘሎ መሸጣ ካብ ትግራይ ዝተዘረፉ ሓድግታት ጠጠው ብምባል ናብ ትግራይ ክምልስን ኣብ ልዕሊ ዘረፍቲ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድን ኣተሓሳሲቡ።