ህዝቢ ትግራይ ሕሉፍ ዓወታት ብምዕቃብ ህልው ዓቕምታት ብምውዳብ ንዘላቒ ዓወት ክሰርሕ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ገሊፁ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተኣወጀ ኲናት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ከቢድ ዓፀቦን ምፍንቓልን ኣብ ደገ ዲፕሎማሲያዊ ቃልሲ ዘካይድ ዘሎ ዲያስፖራ ትግራይን ካብቲ ንኣሽሓት ዓመታት ዝሃነፆ ስልጣነን መንነትን ብሄራዊ ክብሩን ስሙር ሓድነቱን ዓቂቡ ክዘልቕ ከምዘኽኣሎ ጠቒሱ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከይዲ ስልጣንኡ ዘዋህለሎም ፀጋታት ንባዕሉ ተረቢሑ ንዕቤት ካልኦት እውን ኣበርክቶ ምግባሩ ዝሓበረ መግለፂ ባይቶና ታሪኽን ክብርን ትግራዋይ እንተዘይወኒኖም ሰላም ዝኹርኮሖም ገዛእቲ ሽዋን መሻርኽቶምን ስርዓተ መንግስቲ ኣኽሱም ብምጭዋይ ስልጣነ ትግራይ ክኹለፍ ከምዝገበሩ ገሊፁ።

ህዝቢ ትግራይ ፖለቲካውን ቁጣባውን ዓንድታቱ ፈሪሱ ን800 ዓመታት ኣብ ዕንክሊልን ደንገርገርን ክነብር ንዘበናት ዝተኸሎም ቁሳውን መንፈሳውን ፀጋታት ክጠፍኡ ከምዝተሰረሐሉ ጠቒሱ።

ህዝቢ ትግራይ መንነታዊ ክብሩ ንምውሓስ ዝተፈላለዩ ቃልስታትን እምቢታታትን ከካይድ ከምዝፀነሐ ዝሓበረ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ለካቲት 11 1967 ዓ/ም ብውሑዳት ደለይቲ ለውጢ መናእሰይ ዝተጀመረ ቃልሲ ንሙሉእ ትግራይ ኣለዓዒሉ ብወተሃደራዊ ዓወት ተጋሩ ምኽንባቱ ኣብሪሁ።

ኣብቲ ን17 ዓመታት ዝተኻየደ ቃልሲ ፀላእቲ ንህዝቢ ትግራይ ኣምበርኪኾም ክገዝኡ ዝፈፀምዎም ግፍዕታትን ኣብ ልዕሊ ማሕበረ-ቁጠባዊ ትካላቱ ዘካየድዎ ብርሰትን ብምርዳእ ኣንፃር ብሄራዊ ክብሪ ተጋሩ ካብዝኾነት ሃገር ብምፍታሕ ዘላቒ መፍትሒ ዝርከቦ ዕድል ዝሃበ መድረኽ ምንባሩ ጠቒሱ።

ኮይኑ ግና ፀላእቲ ዝተገምገመሉን መላፍንቲ ዝተሓረየሉን ሚዛን ዝተጋገየ ብምንባሩ መንነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ማዕርነታዊ ሓድነት ብዝብል ኣካይዳ ውሕስና ዘይብሉ ፌደራላዊ ስርዓት ክህነፅ ብምጥላብ ምዝዛሙ ባይቶና ገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላምን ርግዓትን ደመኛታት ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ቅድመ-ምድላው ዝገበርሉ እዋን ከምዝኾነ ዘብረሀ እቲ መግለፂ ተጋሩ ዝደኸምና መሲሉ ኣብ ዝተሰመዖም እዋን ታሪኻውን ስትራቴጂካውን ፀላእቲ ኣኪቦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይድ ከምዘውረዱ ጠቒሱ።

በቲ ዘካየድዎ ወራር ኣማኢት ኣሽሓት ንሞት፣ ሚልዮናት ንምፍንቓልን ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣሓትን እኖታትን ክብረን ተደፊረን ንሕማምን ስነልቦናዊ ሃሰያን ከምዝተቓልዓ ዝገለፀ ባይቶና ብመሬትን ብሰማይን ተሰሊፎም ህዝቢ ትግራይ ከጥፍኡ ይዋግኡ ምህላዎም ኣብሪሁ።

ብሄራዊ ክብሪ ተጋሩ ንምዕቃብ ን15 ኣዋርሕ ዝተኻየደ ቃልሲ መቐፀልታ ጅግንነትን ፅንዓትን ተጋሩ ስምረትን ሓድነትን ልዕሊ በዝሒ ሰራዊትን ምዃኑ ብተግባር ዘመስከሩ ከምዝኾነ እቲ መግለፂ ኣብሪሁ።

ባይቶና ስልጣነን ልዕልናን ተጋሩ ናብ ፀፍሑ ክምለስ መንነታዊ ክብርታት ተጋሩ ክዕቀቡን ብሽርሒ ፀላእቲ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራትን ከባብን ተመቓቒሉ ዝርከብ ትግራዋይ ኣብ ሓደ መንነታዊ ፅላል ክሰምርን ታሪኻውን ስትራቴጂካውን ግዝኣታት ትግራይ ክምለስ ከምዝሰርሕ ሓቢሩ።

ካብ ሕሉፍ ተሞክሮ ብምውሳድ ዝተጀመረ ቃልሲ ንምጥንኻር ሓድነትን ስምረትን ብምድልዳል ሰራዊት፣ ደጀንን ዲያስፖራን ብምውዳድ ክስራሕ ዝሓበረ ባይቶና ብፖለቲካ፣ ዲፕሎማሲ፣ ሚድያን ማሕበረ-ቁጠባዊን መልክዓት እቲ ቃልሲ ረብሓ ተጋሩን ትግራይን ብዘኽብር መልክዑ ክዛዘም ኣተሓሳሲቡ።