መሰል ዓርሰ ዉሳነ ( ሪፈረንደም ) ህዝቢ ትግራይ ናብ ድርድር ዝኣቱ ኣይኮነን ክብል ፕሬዝደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገሊፁ።

ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብ መበል 47 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ በዓል 11 ለካቲት ምኽንያት ብምግባር ንጋዜጠኛታት ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ መሰል ዓርሰ ዉሳነ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ድርድር ኣይኣቱን ክብል ኣረጋጊፁ።

መሰረታዊ ዝበሃል ጠለባት ህዝቢ ትግራይ ናብ ድርድር ዝቐርብ ከምዘይኮነ ዝገለፀ ፕሬዝደንት ትግራይ ፡ ካልኦት “እንካን ሃባን ዘይብሎም” ዝበሎም ነጥቢታት እዉን ወሲኹ እንትገልፅ ትግራይ በዓል ሰራዊት እዩ፤ ኣብ ሰራዊትና ኣይንደራደርን” ክብል ወሲኹ ገሊፁ።

ቅድሚ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ኣብ ትሕቲ እቲ ክልል ዝነበሩ ከባቢታት ናብ ትግራይ ክምለሱ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹን ተሓታትነት ገበናትን ዝብሉ ነጥቢታት እውን ንድርድር ከምዘይቐርቡ ወሲኹ ኣሎ።

ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብዛዕባ ዘተ ሰላም ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ናብ ዘተ ሰላም ክመጹ ንምግባር ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ “ናይ ተስፋ ምልክት ኣለዎ” ኢሉ።

ካብቶም ፃዕሪ ዝገብሩ ዘለዉ ሃገራት ገለ ድማ ኣሜሪካ ; ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ኬንያን ተጠቀስቲ ምዃኖም እዩ ሓቢሩ።

እንተኾነ “ኮነ ኢሎም የጓትትዎ ኣለዉ” ክብል ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወቐሰ ኮይኑ ሐዚ እውን ሰራዊት ይውድቡን ኣጽዋር ይሽምቱን ምህላዎም ከምዝፈልጥን ነዚ ተግባር ድማ ከሲሱ።

ሰራዊት ትግራይ ብዘይ ዝኾነ ኣካል ደገፍ ብቕልፅሙ ምስ ሽሾ ሰራዊት ፀላእቲ ገጢሙ ሓይሊ ፀላኢ ካብ መብዛሕተን ከባቢታት ፀራሪጉ ኣባሪሩ ኣብ ድርኩኺት ማእኸል ዓዲ እንትበፅሕ ብፅዕንቶ ማሕበረሰብ ዓለምን ብትእዛዝ መንግስቲ ትግራይን ሰራዊት ትግራይ ናብ ድሕሪት እንትምለስ ንሰላምን ዘተን ዘለዎ ቅርቡነት ዘረጋግፅ ተግባር ብምዃኑ ብቡዙሓት ኣዎንታዊ ምላሽ ዝረኸበ ጉዳይ ምዃኑ ይፍለጥ።