ሽርሒ ፀላእቲ ብሓድነት ተጋሩ ከምዝብርዕን ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ገሊፁ።

ብምኽንያት ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ካልኣይ ወያነ ኣመልኪቱ ብመተሓባራይነት ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ዝተዳለወ ፅምብል 11 ለካቲት ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተኣኻኸቡ ዕዱማት ኣጋይሽን ተወከልቲ መንግስትን ዝርከብዎ ኣብ ህልዉን ሕሉፍን ኩነታት ተሞኪሶም ኣብ መርበብ ዙም ተባዒሉ።

ኣብቲ ቦታ ዝተረኸበ ኣቦ ወምበር ማተሰኣ ኣይተ ሚዛን ገ/ስላሴ ነቲ ዕለት ኣመልኪቱ ብስም ማሕበሩ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ; ምንም እኳ በዓል ለካቲት 2014 ዓ/ም ብዕፅዋ ፋሽሽታዉያን ህዝብና ኣብ ዝሳቐየሉ እዋን ይኹን እምበር እዚ ተግባር ዕድመ ከምዘይብሉን ኣብ ቀረባ ፈሺሉ ህዝብና ሩፍታ ናብ ዘግንየሉን ምዕራፍ ከምዝሰጋገር ኣብሪሁ።

ማተሰኣ ነታ ሐዚ ካብ ዓለም ተገሊላ ዘላ ትግራይ ; ማሕበረሰብ ዓለም እዉን ካብ የተሓሳስበኒ ኣሎ ወፃኢ ግብራዊ ስጉምቲ ኣብ ምዉሳድ ዘይወሰነሉ እዋን እዚ ማሕበር ብዉሽጥን ግዳምን ዘሎ ተፃብኦታት ንምብዳህ ከምወትሩ ኣቲሪሩ ከምዝቃለስ ኣይተ ሚዛን ወሲኹ ሓቢሩ።

ካልእ ምንም እኳ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘሎ ዘይዛረየ ፀበባ ይሃሉ; በቲ ዝተኻየደ መስመር ግን ማለት እዉን መንግስቲ ትግራይን መራሕቲን ቀለስቲን እቲ ኲናትን ብምዉዳድ ብዝወሰድዎ ዉሑሉል ስትራቴጂ መብዛሕተን ከተማታት ትግራይ ሓራ ምዉፀአን መግለፂ ማተሰኣ ንኢዱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ምስ ሽሾ ፀላእቲ ገጢሙ በጃ ህዝቡን ዓዱን ዝኾን ዘሎ እንኮ መድሕን ህዝቡ ዝኾነ ሰራዊት ትግራይ ማሕበር ማተሰኣ ዘለዎ ክብርን ምስጋናን ዕዙዝ ምዃኑ ኣይተ ሚዛን ወሲኹ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ማተሰኣ ከምዝበሎ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብያተ እምነታት ትግራይ ዝወሰድኦ ዘየማትእ ቅዋም እቲ ማሕበር ዝተሰመዖ ሓጎስ ልዑል ምዃኑ ኣይተ ሚዛን ረዲኡ።

ኣብ መወዳእታ ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና ብዝብል ቴማ ዝተዳለወ ፅምብል መበል 47 ዓመት በዓል ለካቲት 11 ብመተሓባባራይነት ማሕበር ማተሰኣ እንትበዓል ; እቲ ማሕበር ቦኽሪ ዉላድ ማሕበር ተጋሩ ምዃኑን ተቖርቋሪ ሓደ ዉድብ ጥራሕ ዘይኮነስ ደጋፍን ተሟጋትን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።

መበል 47 በዓል 11 ለካቲት ኣብ መብዛሕቲኡ ኩርናዕ ዓለም ዝርከብ ትግራዋይ ሓቦን ተስፋን ብምስናቕ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ዘብዐሎ እንትኾን እዚ ወርሓት እዚ ዓብዪ መቕይሮ ነጥቢ ቃልሲ እዚ ምዕራፍ ከምዝገሃድ ቡዙሓት ተጋሩ ትምኒቶም እናገለፁ እዮም።