ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ 120 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ፈፂሞም።

እተን ደቂ ኣንስትዮ ካብ 15 – 49 ኣብ ዘሎ ክሊ ዕድመ ከም ዝርከባ ውን ተሓቢሩ።

ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ምስ ዩኒቨርስቲ መቐለ ብሓንሳብ ኮይኖም ዘሳለጡዎ መጽናዕቲ ፤ ኣብ ዝሓለፉ 8 ኣዋርሕ ልፍንቲ መንግስታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ኣምሓራን ኣብ ትካላት ጥዕና፣ ማሕበረሰብን ቁጠባን ዝበፅሐ ዕንወትን ዳግማይ ህንፀት ትግራይ ኣመልኪቱ ፤ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላትን ክፋላት ሕብረተሰብን ኣብ ዝገበሮ ምይይጥ እዩ ነዚ ጸብጻብ ኣቕሪቡዎ፡፡

ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ ልዕሊ 80% ትካላት ጥዕና ትግራይ ካብ ቀሊል ክሳብ ሙሉእ ዕንወት ከምዘጋጠመን ኣብ’ቲ ዝተኻየደ መፅንዕታዊ ፅሑፍ ቐሪቡ፡፡

ኣብ’ቲ ናይ 8 አዋርሕ ኩናት ካብ 15 ክሳብ 49 ዝዕዲምኤን ልዕሊ 120,000 ደቂ ኣንስትዮ ግዳያት ፆታዊ መጥቃዕቲ፣ ስነ-ልቦናውን ማህሰይቲ ከምዝበፅሐን ዝሓበረ እቲ መጽናዕቲ ዝተማልአ ፀብጻብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከይሓወሰ ከም ዝኾነ እዩ ዘረድእ።

ኣብ ትካላት ጥዕና ትግራይ ካብ ቀሊል ክሳብ ሙሉእ ዕንወት ዝወረደ ክሳራ ብጥረ ገንዘብ 64 ቢልዮን ብር ከም ዝበጽሕ ሓቢሩ ኣሎ።

ዓወደ ጥዕና ግዜ ዘይህብ ብምዃኑ ሕብረተሰብ ኣብ ሓፂር ግዜ ግልጋሎት ጥዕና ንክረክብ ቅልጡፍን ዝተዋደደን ስራሕቲ ከምዘድሊ ውን ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ሓጎስ ጎዲፋይ ተዛሪቦም።