ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና መካይን ናብ ትግራይ ከይኣትዋ ስርዓት ኢትዮጵያ ዕንቅፋት ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ትካል ሕቡራት መንግስታት ብርክት ዝበላ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና መካይን ብናይ መንግስቲ ኣብዪ ስምምዕነት ናብ ትግራይ ክንቀሳቐሳ ከምዝወሰነ ዝፍለጥ እዩ።

ኮይኑ ግና እተን ሓገዝ ዝፀዓና መካይን ምንም ኳ ናብ ኣዲስኣበባ ዝርከቡ ሰበ ስልጣናት ናይ ፅሑፍ ትእዛዝ ተተመሓላለፈ ተግባራዊ ከምዘይኮነ ቃል ኣቐባሊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ገሊፁ።

ንሕና ከም መንግስቲ እተን ኮንቨያት ንክሓልፋ ዝከኣለና እናገበርና ፀኒሕና ኢና ዝበለ ጌታቸዉ ረዳ ብ ክልል ዓፋር ኣቢለን ዝሓልፋ መካይን በቢጎደናኡ ደው ኢለን ከምዝርከባ ኣብሪሁ።

ነዚ ተግባር ምትዕንቓፍ ነዘን ሓገዝ ዝፀዓና መካይን ግን እቲ እንኮ ተሓታቲ መንግስቲ ኢትዮጲያ እዩ ክብል ኣይተ ጌታቸዉ ገሊፁ ኣሎ።

ናይ ክልል ሓለፍቲ እዉን እንተኾኑ ኣብዚ ተግባር እገዳ እዚ ንኸይሳተፉን ኣብ ፌደራል ንዘሎ መንግስቲ ፅዕንቶ ክፈጥሩ ኣተሓሳሲቡ።

ስለዝኾነ ድማ ንሕና መፍትሒ ንምንዳይ ናብ ካልእ ቦታ ቅድሚ ምኻድና ማሕበረሰብ ዓለም እኹል ክትትልን ተፅዕኖን ክገብር ንሓትት ክብል ተዛሪቡ።

ኣብዝሓለፈ እዋን ፕሬዝደንት መንግስቲ ክልል ዓፋር ዝኾነ ኣወል ኣርባ ዉግንና ምስ መንግስቲ ፌደራል ንምርግጋፅ ናብ ትግራይ ቁራስ ዳቦ እዉን ተኾነት ኣየሕልፍን ዝበለ ኾይኑ ንተጋሩን ደገፍቲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ዘቖጠዐ ተግባር ምዃኑ ይፍለጥ።