ኣብ ምዕራብ ትግራይ እንታይ ይግበር ኣሎ?

ግለ-ታሪኽ ሰገን ሄኖክ ጉዕሽ

ነባራይ ጣብያ ፍረሰላም ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ሄኖክ ጉዕሽ ካብቶም ኣብ ወርሒ ሕዳር 2014 ዓ.ም ካብ ኣፍ-ሞት ኣምሊጦም ተከዘ ዝሰገሩ ሰገናት ሓደ እዩ። “ምስ ኣቦይ እየ ዝነብር ኔረ” ዝበለ ሄኖክ መፍረያይ ሓይሊ ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ፈቐዶ መሓዩር ተዳጒኑ መንእሰይ ልክዕ ከም ብዕራይ ኣውደ ኣመት ተሓሪዱ ፈቐድኡ ክድርበ ምርኣይን ምስማዕን መዓልታዊ ተጓንፎ ወዲ 16 ዓመት ሰገን ሄኖክ ጉዕሽ ኮይኑ ኣሎ።

ዕጡቓት ፋኖ ኣምሓራ ምዕራብ ትግራይ ካብ ዝተቖፃፀሩላ እዋን ጀሚሮም ደም ዓሚኾም ትግራዋይ ዘይብላ ምዕራብ ትግራይ ክፈጥሩ ነቲ ሓደ እናረሸኑ ነቲ ኻሊእ እናኣሰሩ ሞትን ስቓይን ከባቢኡ ድቃስ ኣስኢንዎ ፀኒሑ። ብስነልቦናዊ ስቓይ ኣይሓለፈሉን። ንሱስ ትግራዋይ እንዶ ሞት ኣብ በሪ ገዝኡ በፂሓ። ከምቲ ዝተለመደ ዕጡቓት ፋኖ ንወላዲ ሄኖክ ኣይተ ጉዕሽ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2014 ዓ.ም ኣሰርዎ።

“ኣቦይ ፋኖ ኣሲሮምዎ” ብምባል ብሕርቃን ዝዛረብ ሄኖክ ገና ብህፃኑ እናሃለወ ወላዲቱ ስለዝሰኣነ ኣሰር ስድርኡ በይኑ ተሪፉ። ምስ ንብዓቱ እናተቓለሰ “ኣቦይ ዝፈፀሞ በደል የለን በይኑ ኣይኮነን በቃ ብጅምላ እዩም ኣሲሮምዎም” ይብል። ዕጡቓት ፋኖ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን “ኣኼባ ኢሎም ንኹሎም ፀዊዖምዎም ሽዑ ምስ ከዱ ናብ እስር ቤት ኣእትዮምዎም” ክብል ወላዲኡን ጎረባብቱን ዝተኣሰሩሉ ኩነታት ሓቢሩልና።

ንሱ እውን ኢዱን እግሩን ኣጣሚሩ ንሞት ክፅበ ኣይበሃገን። ሞትስ ኣብ ኩሉ ቦታ ኣሎ እንዶ ግን ነብሱ ከድሕን እናፀዓረ ክመውት መረፀ። ድሕሪ ወላዲኡ እታ ማእሰርቲ ተርኡ ክሳብ ዝበፅሕ ክፅበ ከምዘይብሉ ምስነብሱ ዝመኸረ ሄኖክ ድርኩኺት ገዝኡ ከይተሰናበተ ሻዓ ነቐለ። ካብ መበቆሉ ጣብያ ፍረሰላም ዕጡቓት ብዝረኣየ ቁፅሪ እናተሓበአ ለይትን ቀትርን ተጓዒዙ ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ ተከዘ በፀሐ።

ማዕኸን ፍረምረን ኣሕምልትን ተከዘ ሎሚ ዘይኣመሉ ደም ሰላማውያን ተጋሩ ጎሲዑ ነቲ ክውሕጦ ዘይከኣለ ሬሳ ሰፈፍ ኣቢሉ ኣብ ገማግም ፈለጋት ሱዳን ንምስክርነት ክሳብ ዝበፅሕ ንግፍዓውያን ኣብ ምቅላዕ ተሓባቢሩ እዩ። ሰገን ሄኖክ ጉዕሽ ንተከዘ ኣዝዩ እዩ ዝፈርሖ። ክሓልፍ እንተተታሒዙ እናፀዓረ ይርሸን ንስክላኣ ተከዘ ምሕላፍ ምኽኣል ማለት ግን እናፀዓርካ ምንባር ስለዝኾነ ተስፋን ሞት ተፋረቕዎ። ይኹን እምበር እናፀዓረ ክመውት ስለዝወፈረ ድሕሪ ነዊሕ ምጭንጫን ኩነታት ዕጡቓት ደፊሩ ተከዘ ረጊፁ ክሰግር ወሰነ። ብፋኖ ዝስማዕ እናመሰሎ ትንፋሱን ትርግታ ልቡን ክሓብእ እናፀዓረ ብኽንደይ ፃዕሪ እዛ ሩባ ደም ሰጊሩዋስ ሎሚ ታሪኹ ንምዝንታው በቒዑ።

ድሕሪ ደጊም ህይወት ኣብ ኢዱ ከምዘላ ሓሰበ፣ ናበይ ከምዝኸይድ እንታይ ከምዝገብር ግን ኣይፈልጥን። ዝፈልጣ ሓንቲ ነገር ህይወቱ ካብ ማሕረድቲ ኣምሊጣስ ከምኡ ብኽንደይ ፃዕሪ ምስዝወፁ ብኣፃብዕቲ ዝቑፀሩ ደቂ ዓዱ ኣንፈቱ ዘይፈልጦ ካሊእ ጉዕዞ ምጅማሩ እዩ። እቶም ዘምለጡ ጎረባብቱ እንትርኢ ከነፃፅር ንድሕሪት ተመሊሱ መሓዙቱ ዘኪሩ ዝወፀን ዝተረፈን መሰትኡ ከስተንትን ገበርዎ።

እታ ትማሊ ካብ ቤት ትምህርቲ ተመሊሱ ኩዕሾ ዝፃወተላ ዝነበረ ሜዳ ምስ ንብዓቱ ይዝክራ። ምሽጥር ንብዓቱ እታ ሜዳ ንሳ ዘፋለጠቶ መሓዙቱ ብህይወት ይሃልው ኣይሃልው ስለዘይፈልጥ እዩ። ተከዘን ሞትን ንድሕሪት ገዲፉ እንትጉዓዝ ቀትርን ለይትን፣ ፀሓይን ቁርን፣ ጥሜትን ፃምእን እናተባረዩ ለሽ እኳ እንተበልዎ ሎሚ ከመይ፣ ኣበይ፣ ምስመን ክነብር ኢሉ ክሓትት ዘገደዶ ተስፋ ምቕፃል እስትንፋስ ተስፋ ምህላው ስለዝኾነ ብርኩ ኣይዓፀፈን።

ካብኡ ሓሊፉ እውን ካብቶም ምስኡ ዝጉዓዙ ዝነበሩ ጎረባብቱ ዝረኽቦ ዝነበረ ፍቕርን ሓልዮትን ቅንዕናን ሰብነትን ልባዊ ስቓዩ ኣዐርዩ ከየቐንዝዎ ሓጊዝዎ እዩ። “ኣብቲ ዓደይ ምስዝፋለጦም ሰባት ንመፅእ ኔርና” ዝበለ ሰገን ሄኖክ እቶም መማፅእቱ ፈቐዶ ገጠራት ከርተት ኢሎም ለሚኖም ዘምፅእዋ ሕፍኒ ቆሎን ማይን “ንስኻ ህፃን ኢኻ” ኢሎም ብቐዳምነት ዝርካባ ክጥዕም እንተመቻችውሉ ምስተዓዘበ ኣብ ቃፍታ ሑመራ ዝረኣዩ ኣራዊታዊ ባህሪ ሰብን እቶም ምስኡ ዘለው ሰባትን ከነፃፅር መለክዒ ሰኣነ። እዚታት ክሳብ ዝሓስብ ራብዓይ መዓልቲ ዝገበረ ጉዕዝኡ ኣብ ሸራሮ ኣብፀሖ።

“ክሳብ ሐዚ ደሃይ ኣቦይ ኣይሰማዕኹን ተሻቒለ ኣለኹ” ዝበለ ሄኖክ ሞትን ምዕራብ ትግራይን መኻይዲ ስለዝኾኑ ወላዲኡ ብህይወት ክተርፍ ዝብል ተስፋ ከምዘይብሉ “ድሕሪ ምእሳሩ ደሃይ ኣቦይ ኣይረኸብኩን ቀቢፀዮ ሐዚ ዳኣ” ብምባል ተዛሪቡ። ኣብ ከይዲ ጉዕዝኡ ዝረኣዮም ግፍዕታት ኣብ ኣቡኡ እውን ክበፅሑ ከምዝኽእሉ ዝሓስብ ሄኖክ “ኣባና ኣይወዓለን እምበር ከማና ዝበሉ ቤተሰብና ኣሕዋትና ተቐቲሎም እዮም” ክብል ብምግላፅ ብፍሉይ ዝዝክሮ መቕተልቲ ኣልዒሉ የስተንትን። “ብዙሕ ነገር እየ ብዓይነይ ሪአ ንኣብነት ኣብ ነሓሰ ሓደ በርሀ ታፈረ ዝበሃል ነባራይ ጣብያ ፍረሰላም ናብዚ ክመፅእ ምስበለ ፋኖ ኣይትኸድን ንዓድኻ ኢሎም ኣብኡ ቀቲሎምዎ” ኢሉ።

ኣይተ በርሀ ታፈረ ነቲ ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ “ክሰግር ዝሓሰበ ህዝቢ ይመርሕ ስለዝነበረ ፋኖ ምስቀተልዎ እቲ ካሊእ እውን ብበትሪ ዝተወቐዐ ቆሲሉ ጥይት ዝረኸቦ ሞይቱ ዝተረፈ ህዝቢ ፈሪሑ ተመሊሱ” ብምባል ኣብ ሰገንነት ዕድሚኡ ስነ-ልቦናዊ በሰላ ዝገደፈሉ ተዘክርኡ የዘንቱ።

ሄኖክ ጉዕሽ ሎሚ ሽሕ’ኳ ጥሜት እንተጋጠሞ ንሞት ዝስዕረሉ ተስፋ እናቋመተ ኣብ ማእኸል መዕቖቢ ተመዛበልቲ መሰናደኦ ቤት ትምህርቲ ኣክሱም ኢና ረኺብናዮ። ወዲ 16 ዓመት ሄኖክ ኣብዚ መፃኢኡ ብትምህርቲ ኣቢሉ ዘአንፍተሉ እዋን ሎሚ “ተስፋ እዩ እምበር ኣብዚ እውን ብጥሜት እናተቖለና ኢና ይበልዐና ኣሎ ብጥሜት” ክብል ተዛሪቡ። እቶም መማፅእቱ ካብ ህዝቢ ለሚኖም ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ትብላዕ ኣብ ዝረኸቡላ ኣጋጣሚ ስለህብዎ ክሳብ ሐዚ ብህይወት ምፅንሑ ይሕብር።

ሰገን ሄኖክ ጉዕሽ ንማሕበረሰብ ዓለም ክልተ ምሕፅንታ ኣቕሪቡ እዩ ምሳና ዝነበሮ ወግዒ ዝዛዘመ። “ቀዳማይ ብዝተኽኣለ መጠን እኽሊ ክህበና ካልኣይ እቲ ህዝቢ ዘፅንት ዘሎ ኲናት ጠጠው ንኽብል ይሓትት” ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ኣተሓባባሪ እቲ ማእኸል ተመዛበልቲ ኣይተ ገብረዋህድ ብርሃነ ኣብ መሰናደኦ ቤት ትምህርቲ ኣክሱም ካብ ዝርከቡ ልዕሊ 14 ሽሕ ተመዛበልቲ እቶም 5 ሽሕ ህፃናት ምኻኖም ሓቢሩ።

ኣኽሱማይት ሚድያ

መቐለ፣ ትግራይ