ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን 12 ሰራሕተኛታት ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም  ከምዝቐተሉ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣፍሊጡ።

ንዓሰርተታት ዓመታት ብቢልዮናት ዝተሃነፀ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ብትሉም ኣካይዳ ብሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምዕናው ዝሓበረ ምክትል ፕሬዝዳንት ምሕደራን ጉዳይ ተምሃሮን ዶ/ር ዘነበ ተካ ብዝቕፅል ዘሎ ዕፅዋን ክባን ሰራሕተኛታት ንሞትን ሕማምን ምቅልዖም ተዛሪቡ።

ሰብኣዊ-ቅትለት መምህራንን ሰብሞያን

መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝኣወጅዎ ወራር ኩለመዳይ ዕንወት የስዕብ ምህላው ዝሓበረ ዶ/ር ዘነበ ተካ 12 ሰራሕተኛታት እቲ ዩኒቨርሲቲ ብሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምዝተቐተሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ክሳብ ሐዚ ብመሰረት ዘተኣኻኸቦ መረዳእታ “ንግዚኡ ዝፈለጥናዮም እቶም ዝተረሸኑ 7 መምህራን እንትኾኑ 5 ድማ ሰብሞያ ምሕደራ ብሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን” ከምዝተቐተሉ ኣረዲኡ።

እቶም ሰራሕተኛታት “ገሊኦም ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ገሊኦም ኣብ መንገዲ ወይ ኣብ ገዝኦም እናሃለው” ብግፍዒ ከምዝተረሸኑ ዝጠቐሰ እቲ ምክትል ፕሬዚዳንት ብምኽንያት መንነቶም “ተጋሩ ብምዃኖም” ከምዝተቐተሉ ተዛሪቡ።

ክሳብ ሐዚ ሃላዋቶም ዘይተፈለጠ ብርክት ዝበሉ መምህራንን ሰብሞያን ከምዘለው ጠቒሱ ከም ኣካል ማሕበረሰብ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኩነታት ተምሃሮ ከምዘጨንቖም ዝሓበረ እቲ ምክትል ፕሬዚዳንት ብሰንኪ ኩለመዳይ ዕፅዋ መራኸቢታት ሓበሬታ ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ኣፍሊጡ።   

ቁሳዊ ጉድኣት-ምውራርን ዕንወትን 

ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ፈላማይ ቅነ ወርሒ ሕዳር 2013 ዓ.ም ንከተማ ኣክሱም ምቁፅፃሮም ስዒቡ እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ዝበፅሐ ዕንወት “ሰራዊት ኤርትራ እዮም ጀሚሮምዎ” ክብል ምክትል ፕሬዝዳንት ምሕደራን ጉዳይ ተምሃሮን ዶ/ር ዘነበ ተካ ሓቢሩ። 

“ሰራዊት ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝሃነፆም ብብርኪ ሃገር ዝፍለጡ ዓበይቲ ኣብያተ ፈተነን መሳለጢ ትምህርትን ብመካይን እናፀዓኑ ክወስዱ” ሰራዊት ኢትዮጵያ ንብረት ሃገሩ ብስቕታ ኣሕሊፉ ምሃቡ ከምዘሕዘኖ ዶ/ር ዘነበ ተዛሪቡ።

ብኸይዲ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ “ብሰፊሑ መሰረተ-ልምዓት እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ምብራስ” ከምዝተሳተፈ ጠቒሱ።

“ኣብ ዋና ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ብቢልዮናት ካብ ወፃኢ ዓድታት ተገዚኦም ዝተተኸሉ ኣብያተ ፈተነን መሳለጢ ትምህርትን ኮሌጃት ምህንድስና፣ ሳይንስ ተፈጥሮ፣ ቱሪዝም፣ ሳይንስ ሕብረተሰብን ስነ-ባህርን” ከምዝዓነው ኣረዲኡ። 

ብተወሳኺ ኣብ ሰለኽለኻ ዝነበሩ ዘመናዊ ፋብሪካታት ምርባሕ ደርሁ፣ ምምራት ፀባን ቀለብ እንስሳን በቶም ሰራዊት ተፈቲሖም ከምዝተወሰዱ ጠቒሱ። 

ኣብ ቀፅርታት ሽረን ዓድዋን ዝነበሩ ኣብያተ ፈተነ “ሕርሻ፣ ቴክኖሎጂ ማይ፣ መዓድንን ቴክስታይልን” ተመሳሳሊ ዕንወት ከምዝበፀሖም ዝጠቐሰ ዶ/ር ዘነበ “ክወስድወን ዘይከኣሉ ውሱናት ኣቑሑ እውን ኣቃፂሎም ወይ ከምዘይሰርሓ ሰይሮም” ምኻዶም ኣረዲኡ። 

ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ “ንምምሃር ምስትምሃር ይኹን ንምሕደራ ዘገልግሉ ማሽናት ብመካይን ተፃዒኖም ንኤርትራን ጎንደርን ተወሲዶም” ኢሉ።     

“መበል 25 ክፍለ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንኣዋርሕ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዓስኪሩ” ምፅንሑ ዝሓበረ ዶ/ር ዘነበ ተካ “ተምሃሮ ንምቕባል እቲ ዩኒቨርሲቲ ዘዳለዎ ጣፍን ካልእ ምግቢን እቶም ሰራዊት ብመካይን ፅዒኖም ናብ ከተማ ብምውፃእ ገዛገዛ እናኸዱ እቲ ሕብረተሰብ ብብረት እናፈራርሑ ኣገዲዶም ከምዝሸጥዎ” ተዛሪቡ።  

ፖሊሲ ዕፅዋን ክባን ሳዕቤኑን

መተሓባበሪ ነርስታት ክፍሊ ሕክምና ህፃናት ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ኣይተ ይብራህ መረሳ ሰብሞያ ጥዕና እቲ ዩኒቨርሲቲ ብሰንኪ ሕሱም ጥሜት ከገልግልሉ ናብ ዘይኽእሉ ብርኪ ሓደጋ ምውዳቖም ኣረዲኡ።

“በዓል ሞያ ኣብዚ እናሓከመ ወዲቑና” ዝበለ ኣይተ ይብራህ “ብሕክምና ተራእዩ ካሊእ ፀገም ከምዘይብሉ ሕማሙ ጥሜት ምዃኑ ምስፈለጥና ደንጊፅና” ክብል ገሊፁ። 

እቲ በዓል ሞያ “ንሰሙናት ቆሎ ጥራሕ ክምገብ ፀኒሑ ድሕሪ እዋን እታ ቆሎ እውን ስኢኑዋ” ከምዝወደቐ ጠቒሱ።

ናብቲ ሆስፒታል መፂኦም ዘገልግሉ ሰብሞያ ጥዕና “ካብ እዋን ናብ እዋን ይንኪ” ምህላው ዝሓበረ ይብራህ መረሳ “መብዛሕትኡ ዝጠመዮ ሰብ ብእግሩ ንመዓልቲታት ተጓዒዙ ኣብ ገጠር ናብዘለው ኣዝማዱ” ምኻዱ ገሊፁ።     

ምክትል ፕሬዝዳንት ምሕደራን ጉዳይ ተምሃሮን ዶ/ር ዘነበ ተካ ሰራሕተኛታት እቲ ዩኒቨርሲቲ ን10 ኣዋርሕ መሃያ ስለዘይተኸፈሎም ንሕሱም ጥሜትን ተወሳኺ ሕማምን ምቅልዖም ተዛሪቡ። 

ዶ/ር ዘነበ ወሲኹ “ብሰንኪ መንግስታዊ ዕፅዋን ክባን እቲ ካብ ሞት ዝተረፈ ሰራሕተኛ እውን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ሞትን ሕማምን” ምህላው ኣረዲኡ።

መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን “ኮነ ኢሎም ትግራዋይ ንምጥፋእ ይሰርሑ” ምህላዎም ዝጠቐሰ እቲ ምክትል ፕሬዚዳንት ትካላት ሰብኣውነትን ሰብኣዊ መሰልን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍፀም ዘሎ ምፅናት ዘርኢ ክዓግታ ሕጋውን ሞራላውን ሓላፍነት ከምዘለወን ኣተሓሳሲቡ።

ኣኽሱማይት ሚድያ

መቐለ፣ ትግራይ

02 ማዝያ 2014 ዓ/ም