ብዙሓት ሰለማውያን ተጋሩ ዝቐተሉን ዝዓመፁን ምሩዃት ወተሃደራት ኤርትራ ምስክርነቶም ሂቦም ።

እቶም ኣብዚ ቕንያት ብሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዝተማረኹ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ካብ ሽረ ጀሚሩ ክሳብ ዓድግራት ሓያሎ ሰለማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ ንቴሌቭዥን ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ሓደ ሙሩኽ ወተሃደር ኤርትራ ከምዝበሎ ኣብ ከባቢ ሽረ መዓስከር ከምዝነበሮምን ኣብኡ ተኣሲሮም ካብ ዝነበሩ ሰለማውያን ተጋሩ ዓሰርተ ሰብ ከምዝቐተሉ ገሊፁ።ብተመሳሳሊ ኣብ ዓድዋ፣ ራማ፣ ዓድግራትን ኣኽሱምን ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ተጋሩ ከምዝዓመፁን ሰለማውያን ተጋሩ ከምዝቐተሉን እቶም ሙሩኻት ንቴሌቭዥን ትግራይ መስኪሮም።ብተወሳኺ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ሽረእንዳስላሰ ካብ ዝነበረ ካምፑ ብለይቲ ብምንቅስቓስ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን ሕፃፅን ማይዓይንን ክብተኑን ክዓኑን ከምዝገበሩ እቶም ሙሩኻት ብኣንደበቶም ተዛሪቦም።ሰራዊት ትግራይ፡ ኣብዚ ቅንያት ስርዓት ኤርትራ ብሽነኽ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወራር ንምክያድ እንትፍትን ኣባላት ክፍለ ሰራዊት 57ን 21 ዝኾኑ መራሕቲ ብርጌድን ቦጦሎኒን ሓዊሱ 120 ወተሃደራት ብምቕታል ኣስታት 195 ከምዝቖሰሉን ኣርባዕተ ከምዝተማረኹ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ምቅልሑ ይዝከር።

Subscribe: https://www.youtube.com/c/AxumiteMedia

Follow: https://twitter.com/YabeleMedia

Join: https://t.me/axumitemedia ይግበሩ!!

ዝኽእልዎ ድማ ፈይ የብሉ፣ https://gofund.me/b35a1736