ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ቴሌቪዥን ትግራይ ከምዝተኣሰሩ VOA ኣቃሊሑ

ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት እቲ መንግስታዊ ዝኾነ ትካል ቴሌቭዥን ትግራይ ኣብ መቐለ ከም ዝተኣሰሩ ራድዮ ድምፂ ኣሜሪካ (VOA) ክፍሊ ኣምሓርኛ ትማሊ ኣቃሊሑ።

ብኻልእ ወገን ድማ ካብ ትግራይ ብነበርትን ነጠፍትን ማሕበራዊ ሚዲያ ዝወፁ ፀብፃባት መዛራረቢ ዛዕባ ኮይኖም ቀንዮም ኣለዉ።

እቶም ዝተኣሰሩ ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ትካል ቴሌቪዥን ትግራይ ምስ ‘’ፀላእቲ ተሓባቢሮም’’ ብዝብል ጥርጣረ ከምዝኾነ እቲ ጣብያ ንስድራን ጠበቓታትን ፀሪሑ ፀብፂቡ። ኣብ መቐለ ብዘሎ ወካሊ እቲ ራድዮ ጣብያ ከምዝተገለፀ እቶም ጋዜጠኛታት ካብ ዝእሰሩ ክልተ ሰሙን ኮይንዎም ኣሎ።

እቶም ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ምስግና ስዩም፣ ተሾመ ጠማለው፣ ሓበን ሓለፎም፣ ዳዊት መኮነን፣ ሃይለሚካኤል ገሰሰ ዝብሃሉ እንትኾኑ ካብዚኦም እቶም ሰለስተ ማለት እውን ሓበን ሓለፎም፣ ዳዊት መኮነንን ሃይለሚካኤል ገሰሰን ቅድሚ ሕዚ እውን ተገምጊሞም ካብ ስራሕ ተኣጊዶም ዝፀንሑ እዮም።

እቶም ጋዜጠኛታት ‘’መን ምስ ዝተባህለ ፀላኢ’’ ከምዝተሓባበሩ እቲ ኽሲ ኣንቁሕ ኣቢሉ ኣየመላኽትን ናይ ሓበን ሓለፎም ጠበቓ ዝኾኑ መስፍን ኣርኣያ፣ ምስ ግዚያ ምምሕዳር ብልፅግና ንማለት ተደልዩ ክኸውን ከምዝኽእል ግን ኣብራህሪሆም።

ኣባላት ስድራ እቶም ካልኦት ጋዜጠኛታት ከምዝሓበርዎ እውን ፌደራል መንግስቲ ንትግራይ ብወረራ ተቖፃፂሩሉ ኣብ ዝነበረ ግዘ፣ ምስቲ ተሰይሙ ዝንበረ ግዚያዊ ምምሕዳር ብምትሕብባር ተባሂሎም ከምዝተኸሰሱ ምስምዖም ገሊፆም። እቶም ብዛዕባ ሓበን ሓለፎም ዝተዛረቡ ጠበቓ፣ ዓሚሎም ብዘይ ዝኾነ ኽሲ ንኽልተ ሰሙን ከምዝተኣሰረን ሓቢሮም፣ ስድራን ኣዝማድን ክጥይቕዎ ግን ኣይተኸልከለን ኢሎም።

እንተኾነ ግን እቶም ጋዜጠኛታት ዝተኣሰርሉ ቦታ ረሳሕ ከምዝኾነ፣ ናይዞም ጋዜጠኛታት ምእሳር እውን ንሞያ ጋዜጠኝነት ጉድኣት ከምዝኾነ እቶም ጠበቓ ይገልፁ። ‘’እዚ ተግባር ሞያ ዘዳኽም፣ ኣንደበት ህዝቦም ከይኾኑ ዝገብር፣ ተለጠፍቲ ሓደ ስርዓት ክኾኑ ዝዓለመ፣ ብፍርሕን ስግዓትን ክነብሩ ዝገብር እዩ’’ ክብሉ ጠበቓ መስፍን ኣርኣያ ንራድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ሓቢሮም። ብፍላይ ሓበን ሓለፎም ድማ ቅድሚ ሕዚ እውን ብግዚያዊ ምምሕዳር ብልፅግና ንትሽዓተ መዓልቲ ተጨውዩ ከምዝነበረን፣ ኣብ ዘይፍለጥ ቦታ ኣቐንዮም ከምዝመለስዎን እውን ሓቢሮም።

ቤት ፅሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ከተማ መቐለ ዝኾኑ ኣይተ ኣዲስ ገብረስላሰ ድማ እቶም ጋዜጠኛታት ዝተኣሰሩ ብሞይኦም ብዝሰርሕዎ ነገር ከይኮነስ፣ ብኻልእ ገበን ስለ ዝተጠርጠሩ እዩ ኢሎም። ንሳቶም ጥራሕ እንተይኮነስ ጋዜጠኛታት ዘይኮኑ ካልኦት ኣብቲ ጣብያ ዝሰርሑ ሰባት እውን ብተመሳሳሊ ገበን ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ከምዝውዓሉ ከምዘለዉ ወሲኾም ሓቢሮም።

ብተዛማዲ ዜና ካብ ውሽጢ ትግራይ ብነበርትን ነጠፍትን ማሕበራዊ ሚዲያ ዝወፁ ፀብፃባት መዛራረቢ ዛዕባ ኮይኖም ቀንዮም ኣለዉ። ብዙሓት ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ትግራይ ዝርአ መንግስታዊ ሕመቕ ባህሪያዊ ከምዝኾነን ንግዚኡ ክቃላዕ ከምዘየብሉን እንትምሕፀኑ ይርአ። እቲ ውሽጣዊ ሕመቕ ምውፅኡ፣ ‘’ፀላእቲ ንረብሕኦም ይጥቀሙሉ ኣለዉ’’ ዝብል ፍርሒ ኣለዎም። ብስሩ እውን ነቲ ካብ መቐለ ብገለ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ሓቃውነቱ ከምዝጠራጠርዎ ይገልፁ።

ብኻልእ ወገን ድማ ካልኦት ብዙሓት ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝኾኑ ሰባት ነዚ ኣተሓሳስባ ክቃወምዎ ይርኣዩ። ‘’ቅድሚ ሕዚ እውን ሕመቕ መንግስቲ እንዳተሸፈነ እዩ ናብ ፀገም ዝኣተና፣ ሕመቕካ ፈቲሽካ ክእረም ምሕታት ምስ ፀላእቲ ዘራኽብ የብሉን’’ ክብሉ ይስምዑ። ብስሩ እውን እቶም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ሰባት ኣብቲ ቦታ ንዘሎ ዝቐረቡ ብምዃኖም ሓቃውነት ተጓንፍኦም ኣብ ጥርጣረ ምእታው ኣግባብ ኣይኮነን ክብሉ ብዙሓት ይወቕሱ።